ኲናት ሱዳን ኣብ ቅንያት ዒድ ኣልኣድሓ እዉን ከዕርፍ ኣይተራእየን። ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ነቲ ክቡር በዓል ምኽንያት ጌሮም ተጻብኦ ደዉ ክብሉ ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም እዮም። እንተኾነ ከባቢታት ካርቱም፣ ኡምዱርማንን ባሕሪን ኣብ ረቡዕን ሓሙስ ደብዳብ ነፈርቲ ከበድቲ ብረትን ከምተሰምዐ ሮይተርስ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ሓቢሩ።

መራሕቲ ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ኣብ ነነሕድሕዶም ምክሳስ ከምዘየዕረፉ ኣብቶም ብቐጻሊ ክጠሓሱ ዝረኣዩ ስምምዓት ምቊራጽ ተጻብኦ ክምስከሩ ጸኒሖም እዮም።
መራሒ መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን መንሰያት እታ ሃገር ኣብ ጎድኒ ሰራዊት መንግስቲ እታ ሃገር ተሰሊፎም ሃገሮም ካብ ወራር ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ከድሕኑ ብግህዶ ጸዊዑ ብምህላዉ እዉን፣ ኩናት ሱዳን ኣብ ሓጺር ግዜ ፍታሕ ዝርከበሉ ኣይመስልን።

ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ዓሌታዊ ድፍኢት ዘለዎ ሓድሽ ምጥቕቃዕን ህልቂትን ይቀላቐል ከምዘሎ ብሓያለ ወገናት ይግለጽ ምህላዉ ይፍለጥ። ዝተፈላለያ ተሓለቐቲ ሰብኣዊ መሰላት ፣ ባይቶ ጸጥታን ካልኦት ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ዝብእስ ዘሎ ኣሰካፊ ተርእዮ ብኣጋኡ ደዉ ንምባል ኪሰርሑ ይጽውዓ ኣለዋ። መራሒ ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዉን፣ ኲናት ሱዳን ገለ ምልክታት ገበናት ምጽናት ዓሌት ክረኣዮ ጀሚሩ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ እዩ።

በቲ ኣብ ሱዳን ናብ ሳልሳይ ወርሑ ዝኣቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 3,000 ሰባት ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ 6,000 ካልኦት ድማ ኣካላዊ መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር። በቲ ኲናት ድሮ ከባቢ 3 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ ከምዘሎ ፡ ካብ’ዚ ድማ እቲ ልዕሊ 650 ሽሕ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣርሒቚ ምህላዉ እዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።
በቲ ኣብ ካባቢታት ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ኣመና ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ስዒቡ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰላማዊ ህዝቢ ተቕቲሉ ልዕሊ 300 ሽሕ ካልኦት ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ምህዳሞም ይንገር።

ኲናት ሱዳን ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን፡ ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።

ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ናብ’ቲ ኮሊፎሞ ዘለዉ ጻዕርታት ሰላም ኣብ ሓጺር እዋን ክምለሱ እንተዘይክኢሎም፣ ኩነታት እታ ሃገር ብቐሊሉ መምለሲ ኪርከቦ ናብ ዘይክእል ዉድቀት ኪሽመም ምዃኑ እዮም ንእዋናዊ ምዕባለታት ኲናት ሱዳን ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ዘተሓሳስቡ።