ፈስቲቫል ጊሰን ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምፍሻሉ ብዝሰርሑ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ዶ/ር ሩት ባህታ፡ ፊቨን ጊዶዎን፡ ያቆብ ኣብርሃም: ጸሃይነሽ ኪሮስ ክምኡ’ውን ዳዊት ዝተባህሉ ዜጋታት ዘዳለውዎ ርክብ ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሕን ጋዜጠኛታት ጊሰንን ሎሚ ሰነ 30, 2023 ተኻይዱ።

ኣብ’ቲ ኣኬባ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ መንእሰያትን ዓበይትን ካብ መላእ ጀርመን ክርከቡ እከለዉ  ኣቶ በየነ ገረዝግሄር ኣቦ መንበር ምንቅስቃስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን ካብ ሆላንድ፡ ድማ ብዛዕባ ተመኩሮ ደለይቲ ፍትሒ  ሆላንድ ኣብ ምግታእ ዕንደራ ስርዓት ህግደፍ ንምክፋል ተሳቲፉ ነይሩ።

ዕላማ ናይ’ቲ ኣኬባ ንነበርትን ጋዜጠኛታት ከተማ ጊሰን ሓቀኛ ምስሊ ብርጌድ ንሓመዱ ንምሃብ እዩ ነይሩ። ኣኬበኛታት ንዝተዋህቦም ዕድል ተጠቂሞም ዕላማታት ናይ ቃልሲ መረዳእታ ሂቦም። ብተወሳኺ ነቲ ናይ ህልኽን ጽልእን ከምኡ’ውን፡ ፕሮፖጋንዳን ፈስቲቫል ምቅዋም ማለት፡ ጸጥታን ሰላምን ነበርቲ ጊሰን ምሕላው ሙኻኑ ኣረዲኦም። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ብተወሳኺ ብናይ ጊሰን ጋዜጠኛታትን፡ ገለ ሓለፍቲ መንግስቲ ጊሰንን፡ ዘይምዕሩይ ቃላት ብዛዕባ ብርጌድ ንሓመዱ ምጥቃሞም ውን ከም ናይ ዓመጽ ሓይልን ካልእን ኢሎም ምግላጾምን ዘለዎም ቅሬታ ብምግላጽ ኣብ መጻኢ ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መግለጺታት ክቁጠቡ ኣተሓሳሲቦም።እቲ ዝዕምጽ ዘሎ እቲ ዘይሕጋዊ ስርዓት ህግደፍ ሙዃኑን እዞም መንእሰያት ግን ኣፍረይቲ ዜጋታት ናይ ጀርመን ሙዃኖምን፡ ንዝተዋህቦም መሰል ተጠቂሞም፡ ብሰለማዊ መንገዲ ድምጾም ኣንጻር ዓማጺ ዘስምዑ ዘለዉ ሙዃኖም መረዳእታ ሂቦም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ኣቦ መንበር ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን ኣቶ በየነ ገረዝግሄር ብወገኑ ንተሞኩሮ ቃልሲ መንእሰያት ሆላንድ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ኣብ’ዚ ኣኬባ ዝሳተፍ ዘሎ ንደለይቲ ፍትሒ ጀርመን ደገፍ ንምሃብን፡ ንምምሕዳርን ህዝብን ጊሰን ብኣካል ንምምስጋንን ሙዃኑ ገሊጹ። ኣስዕብ ኣቢሉ ጊሰን ንመንእሰያትና  ኣዕቁባትልና ጥራይ ዘይኮነት መሰሎም’ውን ስለዘውሓሰትልና ከምኡ’ውን ካብቲ ንሕና ዘይንደልዮ ደም ምፍሳስ ስለዘድሓንኩምናን ዓሙቅ ክብርን ምስጋናን ኣለኒ ኢሉ። እዚ ኣብ ጊሰን ተወሲኑ ዘሎ ድማ ኣብ ምሉእ ጀርመን ብሕጋዊ መንገዲ ህግደፍ ናይ ዓመጽ ፈስቲቫል ካብ ምክያድ ናብ ዝእግድ ሕጊ ክቅየር ተላብዩ። ኣብ መወዳእታ ኣቶ በየነ  ኣብ ጠንቂ እንበር ሳዕቤን ክተኩሩ ከምዘይብሎም ብምዝኽኻር፡ ጠንቂ ናይ’ዚ ኩሉ እቲ ንሶም ፍቃድ ዝህብዎ ዓማጺ ስርዓት ሙዃኑ፡ እቲ ንርእዮ ዘለና ናዕብን ጎነጽን ድማ ሳዕቤን ሙዃኑ ገሊጹ። ስለ’ዚ ነቶም ሳዕቤናት ንምግታእ እቲ እንኮ መፍትሒ ነቲ ጠንቂ ዝኮነ ስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ክምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ጽልእን ፕሮፖጋንዳን ፈስቲቫል ኣብ ጀርመን ምግባር ብሕጋዊ መንገዲ ምእጋዱ ሙዃኑ ንተሳተፍቲ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ኣውሃሃድቲ ናይ’ቲ መደብ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ብክፍሊ ጸጥታ ጊሰን ዝተወሰነ ውሳኔ፡ ብመንግዲ ጠበቃታቱ ገይሩ ይግባይ ኢሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሕጂ’ውን ነዚ ናይ ስርዓት ህግደፍ ይግባይ ብሕጋዊ መንገዲ ከፍሽልዎ ሙኻኖም ሓቢሮም ኣለዉ። ንሶም ብተወሳኺ ካብ ከተማ ጊሰን ወጻኢ ኣብ ካልኦት ከተማታት ነቲ ፈስቲቫል ንምግባሩ ህግደፍ ብምስጢር ይስርሕ ምህላውን፡ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ንኹሉ ምንቅስቃሶም ብደቂቅ ተኸታቲሎም ከፍሽልዎም ሙኻኖም ገሊጾም ኣለዉ።