ምምሕዳር ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ ቊጠባዊ መቕጻዕቲ ከብቅዕ ወሲኑ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ናብ ኮንግረስ ሃገሩ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ገዚፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምዉዓል ኣርሒቓ ብምህላዋ ፣ ካብ ኣመሪካ ተነፊግዋ ዝጸንሐ ቊተባዊ ደገፍ ይዂን ሓለፋ ዳግማይ ኪጅመረላ ምእዛዙ ገለ ኣባላት ክፍሊ ትሬሸሪ ይዛረቡ ኣለው።
እዚ ሓበሬታ ዝወጽእ ዘሎ ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ብመንገዲ ትካላ ኣህጉራዊ ልምዓት ሃገሩ ማለት USAID ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሕ ዝነበረ ሰብኣዊ ረድኤት ብሰንኪ ኣብ ሓያለ ክልላት እታ ሃገር ሰሪቱ ዝበሎ ስርቂ ደዉ ኣቢልዎ ኣብ ዘሎን፣ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ’ቲ ብ BRICS ዝጽዋዕ ቊጠባዊ ደንበ ኣባልነት ኪትረክብ ወግዓዊ ጠለብ ኣቒራባ ኣብ ዘላትሉን ግዜ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትኸስሮ ምህላዋ ዝንገረላ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ጸብለልታ ናብ ቦታእኡ ንምምላስ ምስ መንግስታት ሶማል፣ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ህዉኽ ዝመስል ምቅይያራት ኣብ ክልተእኣዊ ዝምድናታት ተመዝግብ ከምዘላ ኪግለጽ ቀንዩ እዩ።
ኣብታ ዝተወሃሃደ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ደዉ ከምዘይበለ ብሓያለ ተሓለቕቲ እትኽሰስ ዘላ ኢትዮጵያ ፣ ምምሕዳር ባይደን ዘሰክፍ ግህሰታት ይረኣየላ ከምዘየላ ምምስካሩ፣ ምስ’ታ ሃገር ከሐድሶ ደልዩ ንዘሎ ምሕዝነት ዘረጋግጽ እዩ።
ቻይናን ሩስያን ኣብ’ታ ኣብ’ዚ ዞባን ኣህጉርን ቀሊል ዘይኮነ ቊጠባዊ ዑቕሮታት ዘለዉዋ ኢትዮጵያ ዘዛይድኦ ዘልዋ ሽርክነት ፣ ኣመሪካ ፖሊሲታታ ከተሐድስን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ኲናት ሕድሕድ ኣኽሪራቶ ዝጸንሐት ኣጠማምታን ከተዝልቕን ትግደድ ምህላዋ ኪሕበር ሓግዩ እዩ።
ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዋ ቊጠባዊን ንግዳዊን ዝምድና ብፍላይ ብቻይና ኽዕብለል ምጽንሑ እትኣምን ኣመሪካ፣ ምስታ ኣህጉር ከተዛይዶ መሪጻ ዘላ ዝምድና በቶም ክሳዕ ምክትል ፕረዚደንት እትርከቦም ጽዑቓት መገሻታት ሰብስልጣን ዋሺንግተን ናብ ኣፍሪቃ ክምስከር ጸኒሑ ኣሎ።
ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ትሑት ዝወለዱ ልቓሕ ብምቕራብ ኣብ ዕዳጋታትን፡ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጺን ብመሪሕነት ትዋሳእ ዘላ ኮይና፣ ብፍላይ ብመንገዲ እቶም ትሑት ዝወለዶም ልቓሓት ኣብ ቊጠባን ፖለቲካዊ ዉሳኔታትን ሓያለ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ጽልዋ ክትዉንን ክኢላ ምህላዋ ይፍለጥ። እዚ ጽልዋ እዚ ድማ ፣ ነታ ንኣፍሪቃ ንብዙሕ ዓመታት ከም ምንጪ ጥረ ባህርያዊ ጸጋታት ጥራይ ኪትወስዳ ዝጸንሐት ኣመሪካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክትስጉም ኪንዮ ንግዳዊ ስምምዓት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀጥታዊ ወፍርታት ከተዛይድን ይድርኻ ከምዘሎ ተንተንቲ ቊጠባ የረድኡ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጉዳይ ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ክጽሎ ዝጸንሐ ፖሊሲታታት ኣብ ባይታ ዘስርሕ ከምዘይኮነ ኽትርዳእ ጀሚራ ከምዘላ ዝሕብሩ ወገናት እዉን፣ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ገዚፍ ተርዮ ግህሰት መሰላት የለን ብምባል ከተመሓይሾ መሪጻ ዘላ ዝምድና እቲ ዝቐረብ ኣብነት ምዃኑ የገንዝቡ።