ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻር ኣመሪካ ዘለዎ መርገጺ ቐጻሊ ብምርግጋጽ ካብ ሩስያን ቻይናን ኪረኽቦ ዝደሊ ደገፍ ንምውሓስ ገና ይጽዕት ኣሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ዝነኣሰ’ዉን ይኹን ፖለቲካዊ ወይ ቊጠባዊ ረብሓ ኣብ ዘይብሎም ጉዳያት ምስ ምዕራባዊ ዓለም ዝተሃላለኽ ዘሎ ህግደፍ ፣ ኣብ ዝኾነ ተበግሶ ወይ መድረኻዊ ጠለባት ሓያለ ሃገራት ምዕራብ ናይ ተቛዉሞ ድምጹ ካብ ምስማዕ ኣየዕረፈን።
ኣመሪካ ናብ ኣህጉራዊ ውድብ ትምህርቲ፣ ስነፍልጠትን ባህሊን ማለት ዩኔስኮ ዳግማይ ክትጽንበር ንዘቐረቶ ጠለብ በቲ ዉድብ መልሲ ንምሃብ ኣብ ዝተቓንዐ መስርሕ ምእካብ ድምጺ ኣባላት ሃገራት ፣ ኤርትራ ምስ ሩስያን ቻይናን ወጊና ኣይፋል ምባላ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ልዕሊ 90 ሚታዊት ኣባላት ዩኔስኮ ንጠለብ ኣመሪካ ዝደገፉ ኮይኖም፣ ህግደፍ ሕጂ’ዉን ንኤርትራ ኣብ ኣሉታዊ ትዕዝብቲ ማሕበረሰብ ዓለም ክትቅጽል ገይሩ ኣሎ።
ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ምስ ሩስያን ቻይናን ልዕሊ ካልእ እዋን ተቓሪቡ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ከም ደጋሚ ኩሉዓይነታዊ መርገጺታትተን ኪነጥፍ እንተበቒዑ ፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ኪመጽኦ ዝኽል ስግኣት ኪናገፍ እየ ኢሉ ስለዝኣምን ፣ ሩስያን ቻይናን ዘዝቃወሞ ኪቃወም ዘዚደገፍኦ ጉዳይ ድማ ኪድግፍ ዝርአ ዘሎ ።
ጉጅለ ግደፍ መለሳ ተማእዛዝነቱ ካብ ሩስያን ቻይናን ገዚፍ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን መቚሽሽ ይሓፍስ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መራሒ እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ከጽንሖ ንዝኽእል ዝኾነ ዕድል ንምኽሳብ ንኤርትራን ነዚ ዞባን ናብ’ቲ ዓለማዊ ኲናት ከየኸትል ተሰጊእሉ ዘሎ ምትፍናን ደንበ ምዕራብን ደንበ ሩስያ-ቻይናን ኪሸሞም ስኽፍ ከምዘይብሎ ብተግባር የምስክር ኣሎ።
ህግደፍ ፣ ንወራር ሩስያ ኣምልኪቶም ዛጊት ኣብ ዝተቓንዑ ኩሎም ኣኼባታት ናይ ዝተፈላለያ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ፣ ዝኾነ ዕቃበ ከይመረጸ ጸግዒ ሩስያ ሒዙ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።
ህግደፍ ኣብ’ቶም ብወራር ሩስያ ዛጊት ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ዉን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ሕብረት ኣብ ዝተቓንዑ ኩሎም ኣኼባታት ምስ ሩስያ ምዉጋኑ ንረብሓን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘይኮነ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ንበይነይ ኪዉሰደልይ ይኽእል እዩ ዝብሎ መቕጻዕቲ ዘራይ ንኽረክብ ዝወስዶ ዘሎ መርገጺ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ሓቢርና ኢና።
ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ዞባን ዓለም ፈልዩ ንልዕሊ 32 ዓመታት ዘሳቒ ዘሎ ህግደፍ፡ ኣንጻር እታ ንወራር ሩስያ ሓቢራ እትቃወም ዘላ ዓለም ደዉ ክብል ምዉሳኑ፣ ኤርትራ ግዳይ መጻእቲ ኣህጉራዊ ተነጽሎታት ገይሩን ምስ ስልጣኑ ጥራይ ዘውሕሳ ሩስያን ቻይናን ተጻጊዑን ክቕጽል ዓሊሙ ስለዘሎ እዩ።