ኣመሪካ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኪትጎስዩ ምህቃና ከምዘሻቐሎም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ኣተሓሳሲቦም። እቶም ዓበይቲ ትካላት ኣብ ዘውጽዎ ዘለዉ መግለጺታት፣ ኣመሪካ ንወገናዊ ረብሓ ኪትብል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪቱ ዘሎ ግህሰት ዕሽሽ ክትብሎ ዝመደበት ከምትመስል የጠንቅቚ ኣለዉ።

እቶም ትካላት ኣብ ዘካፈልዎ ሓባራዊ መግለጺ፣ ምምሕዳር ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ገዚፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰጊርዎ ኪኸይድ ምምራጹ፣ እቲ ምምሕዳር ኣብ ምጽራይ ህግሰታትን ተሓተቱን ዝጸንሖ ቅንዕና ይጥምዘዝ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ ክብሉ ወቒሶም ።

ምምሕዳር ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ ቊጠባዊ መቕጻዕቲ ከብቅዕ ወሲኑ ምህላዉ ሓቢሩ’ዩ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ናብ ኮንግረስ ሃገሩ ኣሕሊፍዎ ኣብ ዘሎ መልእኽቲ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ገዚፍ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ካብ ምዉዓል ኣርሒቓ ብምህላዋ ፣ ካብ ኣመሪካ ተነፊግዋ ዝጸንሐ ቊተባዊ ደገፍ ይዂን ንግዳዊ ሓለፋ ዳግማይ ኪጅመረላ ምእዛዙ ገለ ኣባላት ክፍሊ ትሬሸሪ ተዛሪቦም እዮም።

ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትኸስሮ ምህላዋ ዝንገረላ ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ጸብለልታ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ምስ መንግስታት ሶማል፣ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ኣብ ክልተእኣዊ ዝምድናታት ህዉኽ ዝመስል ምቅይያራት ተመዝግብ ከምዘላ ኪግለጽ ቀንዩ እዩ።
ኣብታ ዝተወሃሃደ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ደዉ ከብዘይበለ ብሓያለ ተሓለቕቲ እትኽሰስ ዘላ ኢትዮጵያ ፣ ምምሕዳር ባይደን ዘሰክፍ ግህሰታት ይረኣየላ ከምዘየላ ምምስካሩ፣ ምስ’ታ ሃገር ከሐድሶ ደልዩ ንዘሎ ምሕዝነት ዘረጋግጽ እዩ።

ኣመንስቲ ኢንተርናሽናልን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ኣነጺሮሞ ዘለዉ ስክፍታ ብሓያለ ትካላት ሰብኣዉነትን ይድገፍ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ህድእ ክትብል እንተዘይመሪጻ ፣ እቲ ድሮ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ኮይኑ ኣሎ ዝበሃል ሰብኣዊ መሰላት ድሕነቱን ሓለዋኡን ኣብ ዝኸበደ ሓደጋ ኪወድቕ ከምዝኽል የጠንቅቚ።

ቻይናን ሩስያን ኣብ’ታ ኣብዚ ዞባን ኣህጉርን ቀሊል ዘይኮነ ቊጠባዊ ዑቕሮታት ዘለዉዋ ኢትዮጵያ ዘዛይድኦ ዘልዋ ሽርክነት ፣ ኣመሪካ ፖሊሲታታ ከተሐድስን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ኲናት ሕድሕድ ኣኽሪራቶ ዝጸንሐት ኣጠማምታን ከተዝልቕን ትግደድ ምህላዋ ኪሕበር ሓግዩ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጉዳይ ደሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ክጽሎ ዝጸንሐ ፖሊሲታታት ኣብ ባይታ ዘስርሕ ከምዘይኮነ ኽትርዳእ ጀሚራ ከምዘላ ዝሕብሩ ወገናት እዉን፣ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ገዚፍ ተርዮ ግህሰት መሰላት የለን ብምባል ከተመሓይሾ መሪጻ ዘላ ዝምድና እቲ ዝቐረብ ኣብነት ምዃኑ የገንዝቡ።