ምዕራባዊ ሚድያ ብምጥፋእ ደሃይ’ቶም ንኣዕጽምቲ መርከብ ታይታኒክ ንምዕዛብ ብንሽቶ ሳብማሪን ተነቚቶም ዝሃጠሙ 5 ሰብጸጋ ሽፈነ ክህባ ተናዊጸናሉ ኣብ ዝቐነያ ፣ ኣብ መፋርቕ እዚ ዓመት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝጠፍአ ህይወት ስደተኛታት ቊጽሪ ከባቢ 2 ሽሕ ምብጻሑ ኣህጉራዊ ዉድብ ስደተኛታት ማለት IOM ገሊጹ።

ብመሰረት እዋናዊ ኣሃዛዊ ጸብጻብ IOM ፣ ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 26 ሰነ ብዉሑዱ 1,999 ስደተኛታት ኣብቲ ማያዊ ከባቢ ህይወቶም ስኢኖም ምህላዎም እዩ። እቲ ኣሃዝ፣ ካብቲ ኣብ ተመሳሳሊ ብዝሒ ኣዋርሕ ናይዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኩሎም ማያዊ መሰመራት ናይ ዝጠፍአ ብዝሒ ስደተኛታት ብልዕሊ 500 ከምዝዛይድ እዉን እቲ ጸብጻብ የረድእ።

ኣብታ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ማያት ግሪኽ ዝጠሓለት ዓባይ ጃላባ ዝሞቱ ኣስታት 600 ስደተኛታት ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ተመዝጊቡ ዘሎ ብዝሒ ምዉታት ክብርኽ ገይሩ ዘሎ እዩ።

ብዝሒ ናይቶም ካብ ገማግም ሊብያን ቱኒዝያን ዝብገሱ ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት ብርኡይ ዛይዱ ከምዘሎ እዉን IOM ይሕብር። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰሪቱ ብዘሎ ደርቂን ጸጥታዊ ቅልዉላዉን ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ወይ ማእከላይ ምብራቕ ኪበጽሑ ናይ ዝህቅኑ ስደተኛታት ቊጽሪ ኣብዚ ዓመት ብዘሰክፍ ናህሪ ይተዓጻጸፍ ኣሎ።

ጥልያን ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ኣትዮማ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ እቲ ኣሃዝ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ብዝሒ ኣዋርሕ ዝተመዝገበ ቊጽሪ ብልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ዝዛይድ ኮይኑ ኣሎ። IOM ይግምቶ ከምዘሎ ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ብጠቕላላ ልዕሊ 82 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ገማግም ኤውሮጳ በጺሖም ክኮኑ ከምዝኽኡ እዩ ዝገልጽ ።

ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ፣ ካብ 2014 ዛጊት 26,950 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን ደሃዮም ከምዝጠፍአን እዩ ዝፍለጥ ።