ሕቶ መሬታዊ ግዝኣት ወልቃይትን ጸገዴን ከምኡ’ዉን ሑመራን ከባቢኡን ጠንቂ ቐጻሊ ኲናት ሕድሕድ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኪኸዉን እዩ ዝብል ስክፍታ ናህሩ ይዉስኽ ኣሎ።
እዚ ዝተገልጸ እዋናዊ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ኣብቶም ሰብመዚ ትግራይ ዋንነትና እዮም ዝብልዎም ከባቢታት ዝርከባ ኣማኢት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክፍሊ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ኪስፍራ ዝገበረ ሓድሽ ስጒምቲ ሻቡ ተቛዉሞታት ከላዕል ብምጅማሩ እዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጒምቲ ንፈደራላዊ ቅዋም ብድሎ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ብምኽሳስ ፣ ኣብቲ ምዕራባዊ ትግራይ ኢሎም ዝጽዉዕዎ ዋነንቶም ዝኾነ መሬት ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ናይተን ክልል ኣምሓራ ዘመሓድረን ትካላት ትምህርቲ ምጽንባር ማለት ፣ ምዕራባዊ ትግራይ ኣካልን መሬታዊ ግዝኣትን ክልል ኣምሓራ ከምዝኾነ ብቃልዕ ምምስካር ከምዝኾነ እዮ ኣተሓሳሲቡ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዝኸተሞ ስምምዕ ሰላም ንሕቶ ምዕራባዊ ትግራይ ብከመይ ክምልሶ ከምዝኾነ ንህዝቢ ኣየብርሀን ። ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ እቲ ብወገን ትግራይ ንሕቶ ግዝኣት ወልቃይት ከባቢኡን ኣመልኪቱ ዝቐርብ ቅድመ ኩነት ብኸመይ ከምዘማእዝኖ ዓቐብ ኮይኑዎ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።
ሓይልታት ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ከም ፋኖ ዝበሉ ሸነኻት ነቲ ብሓይሊ ተመንዚዑና ጸኒሑ ዝብልዎ መሬት ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ከረክብዎ ከምዘይኮኑ እዩም ዝሕብሩ።
ህግደፍ ነቶም ወልቃይትን ጸገዴን ክፋል ምዕራባዊ ትግራይ እዩ ዝብል ወገን ከይህሉ ዝመርጹ ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ተማእዛዝነትን ተኣማንነትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘርሕቘም ሓገዛት እንዳሃበ ድልዱል ሽርከነት ፈጢሩ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ዘሎ እዩ።
በዚ ምኽንያት፣ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ፕሮቶርያ ኣብ ምስኻዕ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብሰንኪ ህግደፍ ይተዓናቐፍ ከምዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለየ መልክዕ ኪሕብር ጸኒሑ እዩ።