ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ፣ መንእሰያት እታ ሃገር ኣብ ጎኑ ክስለፉ ዳግማይ ጸዊዑ። መራሒ ልኡላዊ ባይቶ እታ ሃገር ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ቅድሚ ሰሙን ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ምግባሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ መጸዋዕታ ይደጋገም ብምህላዉ ኲናት ሱዳን ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ከይዝሕትል ተሰጊኡ።
ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕን ዝካየድ ኲናት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ብፍላይ ኣብ ካርቱምን ምዕራባዊ ዳርፉርን ካብ ቊጺጽር ወጻኢ ይኸዉን ምህላዉ የረድኡ።
ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ዓሌታዊ ድፍኢት ዘለዎ ሓድሽ ምጥቕቃዕን ህልቂትን ይቀላቐል ከምዘሎ ብሓያለ ወገናት ይግለጽ ምህላዉ ይፍለጥ። ዝተፈላለያ ተሓለቐቲ ሰብኣዊ መሰላት ፣ ባይቶ ጸጥታን ካልኦት ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ዝብስ ዘሎ ኣሰካፊ ተርእዮ ብኣጋኡ ደዉ ንምባል ኪሰርሑ ይጽውዓ ኣለዋ።
በቲ ኣብ ሱዳን ናብ ሳልሳይ ወርሑ ዝኣቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ዛጊት ህይወት ልዕሊ 3,000 ሰባት ጠፊኡ ኣብ ልዕሊ 6,000 ካልኦት ድማ ኣካላዊ መቚሰልቲ በጺሑ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር። በቲ ኲናት ድሮ ከባቢ 3 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ ከምዘሎ ፡ ካብዚ ድማ እቲ ልዕሊ 650 ሽሕ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣርሒቚ ምህላዉ እዩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።
በቲ ኣብ ካባቢታት ካርቱምን ዞባ ዳርፉርን ኣመና ጽዒቚ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ስዒቡ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰላማዊ ህዝቢ ተቕቲሉ ልዕሊ 300 ሽሕ ካልኦት ድማ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ምህዳሞም ይንገር።
ኲናት ሱዳን ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን፡ ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።