ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ መሳርዕ ትካላት ትምህርቲ እታ ሃገር ንምሕያል ዘመተ ኣዉፊሩ። እቲ ትምህርቲ ንወለዶታት ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ዘመተ ኣብ ምትርናዕ ቈመና ትካላት ትምህርቲ እታ ሃገር ዓቢይ ተራ ክህልዎ ተስፋ ዝንበረሉ እኳ እንተኾነ ፣ ኪንዮኡ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ሸኽሚ ክህልዎ ከምዝኽእን ግን ይጥርጠር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኩሎም ብኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዝሓለፉ ዜጋታትን ተወለድቲ ካልኦት ሃገራትን ኣብ ምሕያል እተን ፍልጠት ዝቐሰሙለን ትካላት ኢዶም ኪሕዉሱ እዩ ጸዊዑ ዘሎ።
ጻዉዒት ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእትታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርጊን ብትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ኩሉ ኤርትራዊ እዉን ዝምልከትዩ። ምስ ኤርትራ ከቃርብዎ ዝድርኹ ፖሊሲታት ኣብ ምኩዋን ዝርከብ ኣቢይ ኣሕመድ ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ መዳይ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ምድላዋት ኣብ መዳይ ትምህርቲን ባህሊን እዉን ተመሳሳሊ ወፍሪ የቕንዕ ከይህሉ ይስጋእ።

መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ውዒሎም ሓዲሮም ኣብ ኤርትራ መልሲ ኽርከበሎም ዝዓለሙ ቊጠባዊን ጸጥታዊን መደባት ኣብ ምቕናዕ ከምዘየዕረፈ ይንገር። ኣበይ ክዕስክር ምዃኑ ዘይተነገረ ሓይሊ ባሕሪ ምቛም፣ ቊጠባዊን ልምዓታዊን ምድማራት ዝቕስቕስ ሓድሽ ፍልስፍና ብመንገዲ መጽሓፍ ናብ ዓሰርተታት ሚልዮናት ኢትዮጵያዉያን ምዝርጋሕ፣ ክልል ኣምሓራ ምስ ህግደፍ ንኽዉግን ዘገዲዱ ፖለቲካዉን ጸጥታዊን ስጒምትታት ኣጽዒዕቕካ መመኽነዪ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝድለ መዛዘሚ ኲናት ንምውሓስን ካልእን ገለ ካብቶም ኣቢይ ኣሕመድ ብዝተራቐቐ መንገዲ ዝጽዕተሎም ዘሎ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ህላዌኡን ጽልዋኡን ከመስክር ዝጸዓር ዘሎ መራሒ ህግደፍ ፡ ንኣካይዳታት ኣቢይ ኣሕመድ ጽቡቕ ገይሩ እንዳፈለጠ ስቕታ መሪጹ ዘሎ ምኽንያት ድማ ፣ እቲ መራሒ ጉጅለ ነቲ “ዓባይ ኢትዮጵያ ከይመራሕኩ ኣይመዉትን” ዝብል ናይ ፍርቂ ዘመን ሕልሙ በቶም ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝወፍሩ ዘለዉ ሜላታት ኪገሃዱለይ ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ ስለዘለዎ እዩ።

ዘዝመጹ ስርዓታትን መንግስታትን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝኸብዶም ፖለቲክዊ ርግኣት ንምዕጋስ ወይ ንምድባስ እቲ ዝቐረበ ዝጥቀምሉ ምኽንያት ሕቶ ኤርትራ እዩ። ህዝብታት ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ባሕራን ጠማሪ ርድኢት ኣለዎም ዝብል ልሙድ እምነት ስርዓታት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ይሰዓብ ምህላዉ ድማ ብቐጻሊ ይምስከር ኣሎ።