ኣብ ስልጣን ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ኣብ ዝሓጸረ ኣዋን ኣንተዘይተኣልዩ፣ ዉሕስና ነጻነትን ልኣላዉነትን ኤርትራ ቀሊል መምለሲ ናብ ዘይብሉ ሓደጋ ኪሽመም ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ወኪል ኤሪሳት ካብ ከተማ ኣስመራ ካብ ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፣ ብዘይካ መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ካብ ሓሙሽተ ዘይሓልፉ ናይ ቀረባ መሳርሕቱን ፣ መጻኢ ኤርትራ ኣብ ዝመጻ ሒደት ዓመታት ናበየናይ ሸነኽ ከብል’ዩ ዝፈልጥ ሰብ ከምዘየለ እዩ።

እዚ ድማ መጻኢ ዕድል እታ ብደም ኣእላፍ ዜጋታት ክዉንቲ ዝኾነትን ገና ትሕሎ ዘላን ኤርትራ ኣብ ኢድን ዊንታን ኣጻብዕ ሓንቲ ኢድ ዝፍቕዶም ተበለጽቲ ወዲቚ ምህላዉ ዘረጋግጽ ኮይኑ ኣሎ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ወፍሪ ምብራስ ቅዋምነትን ትካላዉነትን ኣብዚ ሰዓት እዚ ንሃገር ናብ ዝደለዮ መኣዝን ከብላ ቀሊልሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ህዝብና ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያዉያን ተገዲዱ ዝኣተወሉ ተርእዮ ከም ዝቐረበ ኣብነት ክዉሰድ ዝከኣል’ዩ።

ኤርትራ ጽባሕ፣ ድሕሪ ሰሙን፣ ወርሒ ወይ’ዉን ዓመት ናበይ ከተብል ምዃና ፈሊጡ ክጥንቀቕ ዝኽእል ሃገራዊ ትካላ ወይ ኣካል ፍጹም ከምዘየለ ዝሕብር እቲ ኣባል ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ይኩን ግዜ ኪነቅሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

መጻኢ ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን እንታይ ክመስል’ዩ ፣ ሓላፊ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ’ኳ ዝነእኣሰ ግምት ከምዘይብሉ ዝጠቐሰ እቲ ኣባል፣ እቲ ክፍሊ ካብ ላዕሊ ዝመጾ ኪዓሞም ዝንገርዎ ስረሓት እንተዘይኮይኑ፣ ነባሪ ድሕነት ዘረጋግጹ ነዋሕቲ መደባት ሓንጺጹ ምስራሕ ካብ ዝገድፎ ሓጺር ከምዘይገበረ የረድእ።
ከም ኣብ ኤርትራ ሰሪቱ ዘሎ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነትን ቀጻልነትን ኣብ ካልእ ሃገር ከምዘየለ ይፍለጥ።