ህግደፍ በቲ ኣብ ትግራይ ዝሰዓበ ዘይተደልየ ጥፍኣት ኤርትራዊ መንእሰይ ተሓተቲ ኪኾኑ ንዝደልዮም ኣዘዝቲ ሰራዊት ብተዘዋዋሪ ንህዝቢ የላሊ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ ሰነዳዊ ፊልምታት ኣንዳዳለኻ ብመንገዲ ተለቪዥንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ፣ ንሓባራዊ ዉዕሎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኲናት ትግራይ ዘመልከቱን ፣ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን በስማቶም እምበር ብመልክዖም ዘይፈልጦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ዉዕለቶም ባዕሎም እንዳመስከሩ ዘርእይ እዩ።

ከም ኤርትራዊ ኮንካ ንኽትሰምዖም ዘሕንኹ ፣ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢርናን ብሓንሳብ ወዲቕናን ዝብሉ ዉዕሎታት እንዳዘንተዉ ተሰኒዶም ዘለዉ እቶም ኣዘዝቲ ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ከም መሕጸቢ ኢድ ናይቶም ኣብ ኩናት ትግራይ ኪሕተተሎም ዝኾነ ገበናት ክጥቀመሎም ምዃኑ ዝተረድኦም ኣይመስሉን።

ንሃገሮም ህዝቦምን ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንኸውጽኡ ዕድመ ንእስነቶም ዘሽረፉ ናይ ሕጂ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፣ ምስቶም ቅድሚ 32 ዓመታት ብደም ዝፋለምዎም ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ደርግ ከም ኣሕዋት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ወዲቕና እንዳበሉ ክዛረቡ ካብ ምስማዕ ዝኸፍእ እኳ እንተዘየለ ፣ ብቐንዱ እቲ ብድምጽን ስእልን ተሰኒድሎም ዘሎ ምስክርነቶም ንጥፍኣቶም ዝተሃንደሰ ምዃኑ ክርድኡ ይግባእ።