ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን፡ እቲ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ዝቕጽል ዘሎ በደል ደዉ ክብል ደጊሙ ኣጠንቂቚ። እቲ ሚኒስትሪ ነዚ መጠንቀቕታ ዝህብ ዘሎ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ። ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ እተካይዶ ዘሎ በደል ጠንቂ ዘይምርግጋእ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ኪኸዉን ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ እዩ እቲ ሚኒስትሪ ዘተሓሳሰብ።
ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ካብ 2005 ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ብዝወስዶም ናይ ምእሳር ተግባራት ዛጊት ኣስታት 7000 የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝኣሰሩ፣ ንነዊሕ እዋን ዳጒኖም ድማ ንብረቶምን ጀላብኦምን እንዳሃገሩ ከምዝለቅዎም እዩ እቲ ሚኒስትሪ ዝኸስስ።
መንግስቲ የመን ብመንገዲ እቲ ሚኒስትሪ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ዝበጽሕ ዘሎ መጥቃዕቲን ማእሰርቲን ቀይዲ ይበትኽ ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
የመን ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ማያዊ ግዝኣታን ዝፍጸም ጥሕሰት ንምኽልኻል ምሉእ መሰል ከምዘለዋ ዘተሓሳሰበ እቲ መግለጺ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ቀንዲ ተሓታቲ ናይቲ ዝፍመጽ ዘሎ ጥሕሰት ከምዝኾነ የብርህ። ብመሰረት መግለጺ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን ፣ ኣብ ቀዳምይ ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝወሰዶ ብረታዊ ስጒምቲ ፣ ሓደ ሰብ ኣዒንቱ ክስእን እንከሎ 6 ካልኦት ተኣሲሮም ናብ ኤርትራ ከምተወስዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ዩ።
ንጉዳይ እቶም ንማያዊ ግዝኣታት ኤርትራን የመንን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ዝነጥፉ የመናውያንን ኤርትራውያንን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ኣስራሒ ባይታ ንኽርከብ ብሰብመዚ የመን ብተደጋጋሚ ኽጽዋዕ ምጽንሑ ዝግለጽ ኾይኑ ፡ እቲ ጻውዒት ብወገን’ቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሃወኽ ፖሊሲታት መሪጹ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ተቐባልነት ብምስኣኑ፡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፉ ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ዕለታዊ ናብራኦም ንምኩዋን ኽጻገሙ ይረኣዩ ምህላዎም ይግለጽ።
ህግደፍ ሓንቲ መዓልቲ ዉን ትኹን ንቊጠባዉን ደሞክራስያዉን ልምዓት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሓሲቡ ከምዘይፈልጥ ዘመልከቱ ምንጭታት፣ ሃገር ከይትለምዕን ከይትግስግስን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኢትዮጵያዊ ምኽንያት እንተቒህሙ ፣ ምስ የመን፣ ሱዳንን ጁቡቲን ነገር ብምጽሕታር፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ሶማል ብምስታፍ ተወሰኽቲ ምኽንያታት ከቃንዕ መደብ ከምዘለዎ እዮም ዘረድኡ።
ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኪፍታሕ ዘቃርብ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሙ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ህዝቢን ሰራዊትን ኪመጾ ንዝኾነ ሕቶታት ሃገራዊ ልምዓትን ፖለቲካዊ ጽገናን ክምልስ ዓቕሊ ይኹን ተጻዋርነት ስለዘይብሉ ፣ ንኤርትራ ናብ ካልእ ኲናት ወይ ናብ ተወሳኺ ኣህጉራዊ እገዳታት ዝሸሙዋ ሽርሕታት ኣዳሊዩ ከምዝህሉ ይግመት።