ከተማ ጊሰን ከመቲ ብክፍሊ ጸጥታ ጊሰን ይኹን ደለይቲ ፍትሒ ክዝረበሉ ዝቀነየ፡ ፈስቲቫል ስርዓት ህግደፍ ንምቅዋም ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሒ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱን ክፍሊ ጸጥታ ከተማ ጊሰንን ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብ ከቢድ ነውጺ ኣትያ ትርከብ ኣላ።
ምምሕዳር ከተማ ጊሰን ነቲ ኣቀዲሙ ልዕሊ ዓቅመይ እዩ ዝበሎ ሓላዋ ጸጥታ ከተማ ጊሰን ንምውሓስ ልዕሊ 1000 ኣባላት ጸጥታ ካብ ሰለስተ ኣውራጃታት ብምውፋር ነቶም ድምጾም ዘስምዑ ዘለዉ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ንምግታእ ሓይሊ ይጥቀሙ ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ጀርመን ይሕብራ ኣለዋ። ብዘይካዚ ክፍሊ ጸጥታ ጊሰን፡ ዕሉማት ኣፍራስ፡ ዕሉማት ኣኻልብ፡ ማይ ዝግጭባ መኻይን፡ ዘንብዕ ትኪ፡ ኩርማጅ፡ ብመሬት ከዳሉ ከሎ፡ ብላዕሊ ድማ ብሂልኮብተራትን ድሮናትን ተዓጂቡ ኣሎ።
ክሳብ ሕጂ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ሓያለ ንብረት ከምዝዓነውን፡ ካብ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱን ፖላይስን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ መጉዳእቲ ዝወረዶም ከምዘለዉ’ውን ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ይሕብራ ኣለዋ። ክሳብ ሕጂ ረኺብናዮ ብዘለና ሓበሬታ ልዕሊ 60 ዝኮኑ ኣባልት ብርጌድ ንሓመዱ’ውን ብኽፍሊ ጸጥታ ከተማ ጊሰን ተኣሲሮም ከምዘለዉ’ውን ይሕበር ኣሎ።
ብተወሳኺ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ነውጺ፡ ኣውቶብስ ናይ ከተማ ተቋሪጸን ከምዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብዙሓት ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ስለምንታይ ክፍሊ ጸጥታ ጊሰን ንምትእኽኻብ ናይ ዲክታተራዊ ስርዓት ንምዋሓስ ክንድዚ ዝኣክል ሓይሊ ምውፋርን፡ ጎነጽ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ምጥቃም ኣድልይዎ ዝብል ሕቶታት የለዓዕላ ኣለዋ። እዚ ድማ ምስ ሕቶ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ዝመሳሰል እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን በዚ ኣብ ጊሰን ተፈጢሩ ዘሎ ናዕቢ ኣብ ዓቢ ሻቅሎት ከምዘለዉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ’ዚ ስዓት ኤሪሳት ምስ መራሕቲ ብርጌድ ንሓምውዱ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ዝገበርናዮ ሓጺር ናይ ተሌፎን ዝርርብ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ንኽመጽእ ዝክእል ናዕብን ዕግርግርን ንምውጋድ ኩሉ ሕጋዊ መንገዲ ከምዝተጠቅሙን፡ ሎሚ’ውን ብሰለማዊ መንገዲ ደምጾም ከስምዑ ከምዝተበገሱን፡ እንተኾነ ክፍሊ ጸጥታ ጊሰን ኣብ ልዕሊ እቶም ብሰለማዊ መንገዲ ድምጾም ዘስምዑ ዝነበሩ ደለይቱ ፍትሒ ሓይልን ጎነጽን ምስተጠቀሙ ዝተፈጥረ ዕግርግር ከምዝኮነ ገሊጾም። ንሶም ብተወሳኺ ናይዚ ኣብ ጊሰን ተፈጢሩ ዘሎ ናዕቢ ተሓተቲ ምምሕዳር ከተማ ጊሰንን፡ ስርዓት ህግደፍን ሙኳኖም ህዝቢ ክፈልጥ ኣለዎ ኢሎም።