ሕጂ’ዉን ፣ ንደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ናጽነትን ልኣላዉነትን ኤርትራ ደዉ ዝበሉ ዘይሃገራዉያን ኣምሲልካ ንምጽላሞም ብህግደፍን መሓዉራቱን ዝግበር ጻዕሪ ፍረ ይርከቦ የለን።
ብስም እቲ ጨዉዩዎ ዘሎ ናጽነት ድግሳት ተኺሉ ልዑል መጠን ገንዘብ ኪሓፍስ ጥራይ ዝሓስብ ህግደፍ ፣ እቶም ድግሳት ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓልፎ ዘሎ ሽግር ዘይውክሉ እዮም ብምባል ተቛውሞኦም ንዘርእዩ ደለይቲ ፍትሒ ከም ጸላእቲ ህዝቢን ሃገርን ኣምሲልካ ንምርሓቖም ብዙሕ ክፍተን ምጽንሑ ይንገር።
ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ሓጎስን ምትእኽካብን ህዝቦም ከምዘይብህጉን፡ ልኡኻት ናይ ጓኖት ሓይልታትን ምዃኖምን ኣምሲልካ ንምጽላሞም ረቂቕ ዘመተ ተስሪዑ ብቐጻሊ ይስራሓሉ እኳ እንተሎ፣ ሓቀኛ ጸላኢኡ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣነጺሩ ፈሊጡ ዘሎ ደንበ ፍትሒ ግን ካብዚ ሽርሒ እዚ ኣርሒቑ ቃልሱ ብኸይብሉኒ ክዕንቀፍ ከምዘይግባእ ኣሚኑ ይቕጽሎ ኣሎ።
ሓቀኛታት ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ፣ ቀንዲ ጸላኢኦም እቲ ብፍቕርን ነባሪ ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ እንዳሸቀጠ ዕምሩን ጁባኡን ጥራይ ከህጥር ዝሓስብ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ኣሚኖም ይቃለሱ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ህዝቢ ነቶም ሓድነቱን ባህሊ ምድግጋፉን ዘንጸባርቐሎም ሃገራዉያን በዓላት ብሕቡእ ድሌታት ጉጅለ ህግደፍ ተጨዉዮም መናሃርያ ፕሮፖጋንዳን ምንጪ ልዑል ገንዘባዊ ኣታዊን እቲ ጉጅለ ጥራይ ኮይኖም ከምዘለዉ ተረዲኡ ኪጓዓዝ ይግባእ።
ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ፣ ንፍቕርን ሓድነትን ህዝቦም ኣሚኖም ፡ ህዝቦም ተቛዳሲ ምሉእ ሓርነት ንኪኸዉን ዝቃለሱ ዘለዉ እምበር ፣ ሃገሮም ክብትኑ ዝነኣሰ ዕላማ’ዉን ከምዘይብሎም ርዱእ ኮይኑ፣ ብነባሪ ፍቕርን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ልቡ መሊእሉ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ ሕጂ ንታሪኻዊ ሓድነት ህዝቢ ኪሻቐጠሉ ተሊሙን ንደለይቲ ፍትሒ ከም ተጻያት እቲ ሓድነት ንምምሳሎም ይጓየን ምህላዉ ምርዳእ የድሊ።