ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብዝሓየለ መልክዑ ኣብ ዝቕጽልለሉ ዘሎ፣ ብቀዳመ ሰንበት ነፈርቲ ኲናት ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ከባቢ ኡምድኡርማን ብዘካየድኦ ደብዳባይ ዓሰረታታት ሰላማዉያን ከምተቐትሉ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።
ሰራዊት መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ካርቱም፣ ኡምዱርማንን ባሕሪን ደብዳባት ነፈርቲ የጽዕቕ ከምዘሎ ዝሓበረ ሱዳን ትሪቡን ፣ ብቀዳም ኣብ ኡምዱርማን ኣብ ዝተኻየዱ ደብዳብት ጥራይ ብዉሑዱ 22 ሰላማዉያን ሰባት ምቕታሎም ንመግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር መርኩስ ብምግባር የረድእ። ሓይልታት ድዕመል ሰሪዕ ግን በቲ ናይ ቀዳም ደብዳብ ልዕሊ 30 ሰባት ምቕታሎም እዮም ዝኸሱ።
ኣብ መሬት ታሕተዋይ ኢድ ወኒኑ ምህላዉ ዝንገረሉ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፣ ምንቅስቓሳት ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንምድራት ነፈርቲ ኲናት ይጥቀም ከምዘሎ እዮም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ዘረድኡ።
ተስፋ ዘተ ሰላም ዝቕህሞ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዕለታዊ ኣናጸዓቐ ይኸይድን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዘዉርዶ ሃስያ ድማ ይተዓጻጸፍን ምህላዉ እዩ ዝንገር። በቲ ሳልሳይ ወርሑ ከቚጽር ሰሙን ተሪፍዎ ዘሎ ኲናት ዛጊት 3 ሚልዮን ተመዛቢሎም 3 ሽሕ ድማ ሞይቶም ምህላዎም እዩ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።
ብመራሒ ልኡላዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝእዘዝ ሰራዊት ሱዳን ብሕጽረት ናይ ኣጋር ሰራዊት ተጣሪዑ ከምዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ፣ እቲ መራሒ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙን ክልተ ግዜ ፣ መንእሰያት እታ ሃገር ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ተሰሊፎም ክቃለሱ ምጽዋዑ ኣይርሳዕን።
ኲናት ሱዳን ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን፡ ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።