ህግደፍ ኣብ ጊሰን ገጢምዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕንቈ ፍሬኡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኪንጸባረቕን ናብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ኤውሮጳ ክልሕምን ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ጊሰን ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ዝሰመረ ተቛዉሞ፣ ክሳብ እዝኒ ላዕለዎት ሰብስልጣንን ገዘፍቲ ማዕከናት ዜናን እታ ሃገር በጺሑ መዛረቢ ኮይኑ ብምህላዉ፣ እቲ ብስም ባህላዊ ዉራይ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝካየድ ናይ ፕርፖጋንዳን ጽልኢን ፈስቲቫል ፣ ሓቀኛ ምስሉ እንታይ ምዃኑ ብመንግስታት እተን ሃገራት ጽኑዕ ምርመራ ኪቃንዓሉ ድፍኢት ዝፈጥር እዩ።

ብዙሓት ንህግደፍ ብረብሓን ህያዉነትን ዝድግፉ ኤርትራዉያን ነቲ ኣብ ጊሰን ዝቐነየ ሃዋህዉ ምስ ምቕጻል መደባት ትልሂት ኣዛሚዶም ሓሳብን መደብን ደለይቲ ፍትሒ ከምዝበርዓነ ይመስሎም ከምዘሎ ዝሕብሩ ምንጭታትና፣ ኣብ ጊሰን ተመዝጊቡ ዘሎ ፖለቲካዊ ዓወት ደንበ ፍትሒ ግን ኪንዮ እታ ከተማ ዝኸይድ ጽልዋ ኪፈጥር ምዃኑ የረድኡ።

ህግደፍ ኣብ ጊሰን በጺሕዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ዕንወት ጽቡቕ ጌሩ ተረዲዎ ዘሎ ይመስል። ፖለቲከኛታትን ህዝብን ጀርመን ድሮ በቲ ኣብ ከተማኦምን ንኻልኣይ ግዜኡ ዝረእኣይዎ ጎነጽን ጸጥታዊ ወፈራን ሓለፋ ከተሓሳስቦም ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፣ ኣብ መጻኢ ዝጭበጥ ፍታሕ ክርእዩ ንመንግስቶም ጸቕጥታት ካብ ምግባር ኣይከዕርፉን እዮም።

ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ጊሰን ሓፊሶሞ ዘለዉ ፖለቲካዊ ዓወት ፣ ነተን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ናይ ፕሮፖጋንዳን ምንጪ ኣታዊታትን ህግደፍ ዝኾና መሓዉራት ህግደፍን ምንቅስቓሳተንን ንምኹላፍ ጀሚሮሞ ዘለዉ ቃልሲ ከበራትዑ ዝቕስቦም ኮይኑ ኣሎ።
ዕላማ ኤርትራዉያን መንእሰያት ደልይቲ ፍትሒ ፣ ኮቦሮን እምብልታን ተለሃይቲን ደገፍቲን ህግደፍ ንምምንዛዕ ዘይኮነ፣ ሕቡእ ዕላማ ናይቶም ህግደፍ ልዑል መጠን ገንዘብ ንምእታዉን፡ ናይ ጽልኢን ወገንን ፖለቲካ ንምጉስጓስን ዘውፍሮም ፈስቲቫላት ንማሕበረሰብ ዓለም ኣቃሊዕካ ከምዝኹለፉ ንምግባር እዩ።

ከም CNN ዝበላ ማዕከናት ዜና ከይተረፋ ዘልዓልኦ ናይ ጊሰን ፍጻሜ፣ ብሸለል ዝሓልፍ ጉዳይ ከምዘይከዉን ብኣጋኡ ተነጺሩ ኣሎ። ሓንቲ ካብ ዝዓበያ ጋዜጣታት ጀርመን ዝኾነት ጋዜጣ ቢልድ ነቲ ህግደፍ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተተኽለ ድግስ፡ “ብዲክታተራዊ ስርዓት ዝተዳለወ ፈስቲቫል ሕፍረት” ክትብል ኣርእስቲ ሂባቶ ጥራይ ዘይኮነ ፣ በቲ ኣብ ጊሰን ዘጋጠመ ረጽሚ 22 ኣባላት ፖሊስ ጉድኣት ከምዝወረዶም ሓቢራ እያ።

እዚ ድማ ፣ ንምንታይ እዩ ፈስቲቫል ህግደፍ ንሓያል ቊጥዐ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ደልይቲ ፍትሒ ጠንቂ ዝኸዉን ዘሎን ፣ ከምዚ ዝበለ ዕንወት ከይድገም ከ እንታይ ክግበር ይግባእን ዝብሉ ገጀፍቲ ግድላት ሸፈፍ ኢልካ ኪሕለፉ ዘይገብር ኪኸዉን እዩ።