ምስ ክልል ትግራይ ዘሎ ናይ ዶብን መንነትን ምስሕሓብ ብመንገዲ ረፈረንዱም ነባሪ መዕረፊ ኪግበረሉ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ይገልጽ ኣሎ። ሓላፊ ክፍሊ ርክባት እታ ክልል ጊዛቸዉ ምሉነህ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ነቲ ድሮ ልዕሊ 30 ዓመት ቈጺሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብህዝባዊ ምርጫ ንምኽታሙ ምድላዋት ይስረሓሎም ኣሎ ኢሉ።

ምዕራባዊን ደቡባዊን ትግራይ እቶም ኣሰሓሓብቲ ከባቢታት ኮይኖም፣ ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2020 ኣብ ዝጀመረሉ ሻቡ ኣብ ትሕቲ ቊጺጽር ሓይልታት ኣምሓራ ከምዝኣተዉ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም እዉን ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ እቶም ሓይልታት ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ህዝባዊ ረፈረንዱም ከም ኣካላ ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ምስ ጎረቤት ክልል ትግራይ ዘለዎ ምስሕሓብ ንምዕራፍ ዝገብሮም ዘሎ ጻዕርታት ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ጊዛቸዉ፣ እቲ ረፈረንዶም ብኸመይ ኣገባብ ከምዝካየድን ንተሳታፍነቱን ክፉትነቱን ብዝምልከት እንታይ መለኪዕታት ተቐሚጡ ከምዘሎን ኪዝርዝር ኣይተሰምዐን።

ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ገቢቶም ሒዞሞ ኣለዉ ዝብሎም ከባቢታት ንኽወጹ ፈደራላዊ መንግስቲ ሓላፍነቱ ክስከም ብተደጋጋሚ ኪጽዉዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ መንግስቲ ፈደራል ግን ተግባራዊ ተበግሶ ዛጊት ኣይተራእየን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርክብ ምስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ምስሕሓብ ብሰላማዊ ዘተ ኣብ ምፍታሕ ኪነፍዑ ካብ ምጽዋዕ ሓሊፉ ዝሃቦ ካልእ መተሓሳሰቢን መደብን ኣይነበረን።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡባዊ ምዕራብን ከባቢታት ክልሎም ተመንዚዑና ዝብልዎ መሬት ከይተመለሰሎም ፣ ትግባሬ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ መፈጸምታኡ ንምርኣይ ዝከኣል ከምዘይከዉን እዮም ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ዝምጉቱ።

ብጉዳይ ዋንነት መሬት ካብ ትግራይ ይኹን ፈደራላዊ መንግስቲ ኪመጽእ ዝኽእል ጸቕጢ ንምብዳህ ወተሃደራዊ ቁመናኦም ከደልድሉ ዝጸንሑ ሓይልታት ኣምሓራ፣ ነዚ መንግስቲ ክልሎም ዝንገረሉ ዘሎ ረፈረንዱም ብኸመይ እዩ ክትግበር ከይፈለጡ ሃንደራእ ኢሎም ዝቕበልዎ ኣይመስሉን።