ጋዜጠኛን ገጣሚትን ተቓላሲት ይርገኣለም ፍስሃ፡ ንሽልማት እቲ ብ ጆርጅ ኤልዘር ዝጽዋዕ ካብ ከተማ ሙኒክ ናይ ጀርመን ዝብርከት ዓቢይ ኣፍልጦ በቒዓ።

መማዪ ናይ’ቲ ካብ 2001 ፈሊሙ ኣንጻር ዓመጽን ምልክን ደዉ ንዝብሉ ተንቀሳቐስቲ ኣፍልጦ ንምሃብ ክልተ ዓመታዊ ዝጽንበል ኣፍልጦ ፣ ይርገኣለም ኣንጻር ምልኪ ደዉ ንዝበለቶን፡ ገና ትጓዓዞ ንዘላ ቃልሲን ብምግምጋም እዩ ነቲ ልዑል ክብሪ ብቕዕቲ ምዃና ደምዲሙ።

ኣዶልፍ ሂትለርን ናይ ቀረባ መሳርሕቱን ንዓለምና ናብ ሓድሽ ዓለማዊ ኲናት ከይሸምዋ ብኣጋኡ ኪቕንጽሎም ንዝፈተነ ተባዕ ጀርመናዊ ጆርጅ ኣልዘር፡ ኣንጻር ምልኪን ዘይደሞክራስያዊ ኣካይዳን ንዘርኣዮ ትብዓት ንምዝካር እዩ እቲ ሽልማት ጀሚሩ።

ይርገኣለም ፍስሃ ነዚ ኣብ ዝመጽእ 8 ሕዳር ብወግዒ እትቕበሎ ዓቢ ክብሪ ምብቃዓ ፡ ንኹሉ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልኪ ደዉ ዝበለ ሃገራዊ ደስ ዝብል ኮይኑ ኣሎ።

ይርጋኣለም ፈላሚት ተዓዋቲት ናይቲ ብፔን ኤርትራ ኣብ 2019 ዝጀመረ ስልማት መሰል ምግላጽ ሓሳባት ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ተዓዋቲት ናይ ተባዕ ጋዜጠኛ ሽልማትን ኣፍልጦን ሚልኪያስ ምሕረትኣብ 2022 እዉን እያ።