በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ሱዳን ፣ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ብዘይካ ንምግዕዓዝ ሰብኣዊ ረድኤት ንኹሎም ካልኦት በረራታት ዕጹው ኪኸዉን ዘሕለፎ ዉሳኔ ክሳብ 31 ሓምለ ኣናዊሑ። እቲ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ካብ ዝጅምር ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ጸኒዑ ዘሎ ዉሳኔ ነተን ካብ ሰብመዚ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ፍቓድ ረኺበን ዝኣትዋ ኣብ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ዝርከባ ነፈርቲ ዝጸሉ ኣይኮነን።

ኲናት ሱዳን ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር። ተስፋ ዘተ ሰላም ዝቕህሞ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዕለታዊ ኣንዳጸዓቐ ይኸይድን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዘዉርዶ ሃስያ ድማ ይተዓጻጸፍን ምህላዉ እዩ ዝንገር። በቲ ሳልሳይ ወርሑ ከቚጽር ሰሙን ተሪፍዎ ዘሎ ኲናት ዛጊት 3 ሚልዮን ተመዛቢሎም 3 ሽሕ ድማ ሞይቶም ምህላዎም እዩ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብዝሓየለ መልክዑ ኣብ ዝቕጽልለሉ ዘሎ፣ ሰራዊት መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ከተማታት ካርቱም፣ ኡምዱርማንን ባሕሪን ደብዳባት ነፈርቲ የጽዕቕ ከምዘሎ ይሕበር። በቶም ደብዳባት ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰላማዊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ጥፍኣት እዉን ኣሻቓሊ መልክዕ ሒዙ ይርከብ።
ኣብ መሬት ታሕተዋይ ኢድ ወኒኑ ምህላዉ ዝንገረሉ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፣ ምንቅስቓሳት ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ንምድራት ነፈርቲ ኲናት ይጥቀም ከምዘሎ እዮም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ዘረድኡ።

ብመራሒ ልኡላዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝእዘዝ ሰራዊት ሱዳን ብሕጽረት ናይ ኣጋር ሰራዊት ተጣሪዑ ከምዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ፣ እቲ መራሒ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙን ክልተ ግዜ ፣ መንእሰያት እታ ሃገር ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ተሰሊፎም ክቃለሱ ምጽዋዑ ኣይርሳዕን። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን፡ ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን