ናይ ጊሰን ዉዕሎ ኤርትራዉያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ዕላማኡ ከምዝወቕዐ ካብቲ ንዉዕሎኦም ብዝምልከት ብማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዋህበ ሸፈነ ንምርዳእ ተኻኢሉ። ብዘይካ ማዕከናት ዜና ጀርመን ብዓሰርተታት ዝቚጸራ ካልኦት ኣህጉራዉያን ማዕከናት ንጠንቂ ቊጥዐ እቶም መንሰያትን ቊጠዐኦም ዘብጸሖ ሃስያን ኣመልኪተን ክጽብጽባ ተራእየን ኣለዋ።
ከም ዘ ኢኮኖሚክ ታይምስ፣ ኣሶሼት ፕረስ፣ ሲኤንኤን፣ ድምጺ ኣመሪካ ፣ቢቢሲ፣ ዘ-ኢንዲፐንደንት፡ ዋሺንግተን ታይምስ፣ ያሁ ኒውስ፣ ዘ ኒውስ ኢንተርናሽናል ካልኦትን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ወሪዱ ዝበልኦ ጉድኣት ኣማእኪለን ዝሃብኦ ሸፈነ፣ ሰልፈኛታት ንምንታይ ክሳብ ክንድኡ ቊጥዐ ከርእዩ ተገዲዶም ንዝብል ኩርናዕ ግቡእ ኣድህቦ ክገብራ መሪጸን ።
ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተተኽለ ድግስ መሳርሒ ኲናትን ፕሮፖጋንዳን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት እዩ ዝብል እምነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ እቶም ቊጠዓኦም ዘርእዩ ዝነበሩ ኤርትራዉያን መንእሰያት ምህላዉ እየን እተን ማዕከናት ኣስፊረን ዘለዋ።
ህግደፍ ኣብ ጊሰን ገጢምዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕንቈ ፍሬኡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኪንጸባረቕን ናብ ዝሰፍሐ ከባቢታት ኤውሮጳ ክልሕምን ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ። እቲ ኣብ ጊሰን ብኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ዝሰመረ ተቛዉሞ፣ ክሳብ እዝኒ ላዕለዎት ሰብስልጣንን ገዘፍቲ ማዕከናት ዜናን እታ ሃገር በጺሑ መዛረቢ ኮይኑ ብምህላዉ፣ እቲ ብስም ባህላዊ ዉራይ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝካየድ ናይ ፕርፖጋንዳን ጽልኢን ፈስቲቫል ፣ ሓቀኛ ምስሉ እንታይ ምዃኑ ብመንግስታት እተን ሃገራት ጽኑዕ ምርመራ ኪቃንዓሉ ድፍኢት ዝፈጥር እዩ።
ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ጊሰን ሓፊሶሞ ዘለዉ ፖለቲካዊ ዓወት ፣ ነተን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ናይ ፕሮፖጋንዳን ምንጪ ኣታዊታትን ህግደፍ ዝኾና መሓዉራት ህግደፍን ምንቅስቓሳተንን ንምኹላፍ ጀሚሮሞ ዘለዉ ቃልሲ ከበራትዑ ዝቕስቦም ኮይኑ ኣሎ።
ህግደፍ ኣብ ዝመጽኣ ሒደት ዓመታት ኣብ ሃገራት ስግር ባሕሪ ብሓፈሻ ሃገራት ምዕራብ ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዝነብር ኤርትራዊ ዝነበሮ ጽልዋን ኪዳኸም ከምዝኽእል ይግምት ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኣቃሊዖም እዮም።
እቲ ግምትን ግንዛቤን ካብ ክልተ ገዘፍቲ ረቛሕቲ ዝተበገሰ ከምዝኾነ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት ፣ እቲ ቀዳማይ ኣብተን ሃገራት ዝሕይል ዘሎ ዝተወደበ ምንቅስቓሳት ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኪኸዉን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ልዕሊ ካልእ እዋን ዛዪዱ ዘሎ ጽለኣት ማሕበረሰብ ዓለም ምዃኖም የረድኡ።
ኣብ ሃገራት ምዕራብ ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ’ቲ ልዑል ቊጽሪ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝርከቦ ኣህጉር ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኩሉዓይነታዊ ምንቅስቓሳት ህግደፍ ዝሕይል ዘሎ ተቛዉሞታት ኣቓልቦ መንግስታት እታ ኣህጉር እንዳወነነ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ህግደፍ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝጸንሖ ባይታን ጽልዋን ዝግዘፈ ሽነኹ ኪኸስሮ ምዃኑ እዩ ገሚቱ ዘሎ።