ነቲ ተስፋታት ሰላማዊ ፍታሕ ተሳኢንዎ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ናይ ቀረባ ተበግሶታት ብምዉሳድ ንምዕራፉ፡ ጎረባብቲ ዝኾና ሃገራት ተዳጊፈን ክጽዕታ ዝብል መደብ ብግብጺ ይስረሓሉ ኣሎ።

ኣብ’ቲ ጽምዶ መራሕቲ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ብፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ተዓዲሞም ኣብ ካይሮ ተኣኻኺቦም ኣለዉ። እቲ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ ካብ ዝዉሰዱ ዞባዊን ኣህጉራዊን ተበግሶታት ከርሕቕ ዝጸንሐ መራሒ ህግደፍ እዉን ኣብቲ ምትኽኻብ ተረኺቡ ኣሎ።

ግብጺ ንክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን ን13 ሓምለ “ኣቃሪበ ከዛትዮም’የ” ብምባል ነቲ ናይ ጎረባብቲ ተበግሶ ከምዘቃንዐት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣድማዕነት እቲ ተበግሶ ብብዙሕ ምኽንያታት ዓቢይ ተስፋ ክንበሮ ኣጸጋሚ ምዃኑ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ከተንብሁ ጸኒሖም እዮም።
ብሑጋ ዘዝድግፍዎም ወገናት ኣውሒሶም ዘለዉ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ናብ ዘተ ሰላም ቀሪቦም ንስምምዓት ክቕየዱ ዘገዲዶም ኣዉሓሲ ወይ ተሰማዒ ወይዉን ተፈራሒ ሸምጋሊ ተሳኢኑ ምህላዉ እዩ ዝንገር።

ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ኣብ’ዚ ሰለስተ ወርሒ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት ተጻብኦ ናይ ምቊራጽ ሓያለ ግዝያዊ ስምምዓት እኳ እንተኣተዉ፣ እቶም ስምምዓት ሻቡ ክጠሓሱን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወርድ ዕንወት ዕለታዊ ኪዛይድን ምርኣይ ልሙድ ምህላዉ ይሕበር።

ንኩናት ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩን ብቐንዱ ድማ ውሑስ ሸነኽ መባጽሒ ሰብኣዊ ሓገዛት ከካዉኑን ብኢጋድ ተመዚዙ ዘሎ ብመራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ጂቡቲን ደቡብ ሱዳንን ዝዉከል ኣካል ኣብ ናይ’ዚ ሰሙን እዚ ርክቡ ፣ ኲናት ሱዳን ንምፍታሕ ምዉፋር ኣፍሪቃዊ ዓቃብ ሰላም ከም ኣማርጺ ዝግምግም ዋዕላ ኪካየድ ጸዊዑ እዩ።

ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ዕለታዊ ኣንዳጸዓቐ ይኸይድን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዘዉርዶ ሃስያ ድማ ይተዓጻጸፍን ምህላዉ እዩ ዝንገር። በቲ ኲናት ዛጊት 3 ሚልዮን ተመዛቢሎም 3 ሽሕ ድማ ሞይቶም ምህላዎም እዩ ሕቡራት ሃገራት ዝሕብር።

ኲናት ሱዳን ንከባቢ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ማለት 25 ሚልዮን ሰባት ድማ ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ገይሩ ከምዘሎ ይንገር። ነቲ ኲናት ደዉ ንምባልን፡ ተራጸምቲ ወገናት ንድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ከቐድሙ ንምግዳድን፡ ቀጻሊ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጻዕርታት ይወፍር እኳ እንተሎ ፣ ዛጊት ኣብ ባይታ ዘመስከሮ ኣርባሒ ዉጽኢት የለን።