ፊንላንድ ናብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ክትጽንበር ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዘፍቀደ ፕረዚደንት ቱርኪ ታይብ ኤርዶጋን፣ ሕጂ’ዉን ነታ ናብ’ቲ ኪዳን ክትጽንበር ጠለብ ኣቕሪባ ብሰንኪ ኣብያ ቱርኪ ኣብ ሰንፈላል ዝጸንሐት ሽወደን ቀጠልያ መብራህቲ ሂብዋ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኤርዶጋን ነዚ ዝሓበረ፣ ሽወደን ነቶም ኣዕቚባቶም ኣላ ዝበሃል ገለ ባእታታት ኩርዳዉያን ዕጡቓት ምድጋፍ ኣቋሪጻ ፣ ነቲ ቱርኪ ምሉእ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምዃን እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ክትደጋገፍ ከምዝኾነ ድሕሪ ምስምማዓ እዩ። ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኤርዶጋን፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንቱርኪ ኣባሉ ኽትከዉን ማዕጾ እንተከፊቱላ ፣ ሽወደን ኣባል ኔቶ ንምዃን ኣቒሪባቶ ዘላ ጠለብ ምሉእ ብምሉእ ክድግፎ ምዃኑ እዩ ኣረዲኡ።
ዝሓልፈ ወርሒ ሚያዝያ ፡ መዳዉብቲ ሩስያ ዝኾነት ፊንላንድ ኣባልነት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክትኸዉን ብምብቃዓ ፣ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ኣባላት ሃገራት እቲ ኪዳንን ዝብእስ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከብ ከብል ገይሩ ምህላዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ ምጽንባር ሽወደን ናብ’ቲ ኪዳን ዝሰልጥ ይመስል ብምህላዉ እዉን ተወሳኺ መዘዝ ከይስዕብ ስግኣቶም ይሕብሩ።
ንልዕሊ 1,300 ኪሌሞተራት ምስ ሩስያ እትዋደብ ፊንላንድ ናብቲ መበል 31 ኣባል ኮይናትሉ ዘላ ኔቶ ንኽትጽንበር ካብ ዝጠለበትሉ እዋን ኣትሒዙ ካብ ሩስያ ተሪር መጠንቀቕታ ይስማዕ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ኣባልነት ፊንላንድ፣ ኔቶ ናብ መሬት ሩስያ ዘለዎ ቅርበት ዘራጒድ ከምዝኸዉን ዝሕብሩ እቶም ተነተንቲ ፡እዚ ድማ ሩስያ ህላዉነታ ንምርግጋጽ ተሃላላኺ ወተሃደራዊ ፖሊሲታት ከተቕንዕ ከምዝግዲዳ የተንብሁ።
ዩክሬን ናብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ከምኡ’ዉን ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክተጸጋጋዕ ስለዝተራእየት ዝጀመረ ወራር ሩስያ፡ ናህሩ ኣብ ዝወሰኸሉ፣ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዓለማዊን ኤውሮጳዊን ወተሃደራዊ ክስተታት – ናይ ዝኾነ ወገን ጸግዒ ኪወስዳ ዘይተራእያ ፊንላንድን ሽወደንን፣ ናብ’ቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኪጽንበራ ዘለወን ድሌት ኣብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከምዘነጸራ ኣይርሳዕን።
ንፊንላንድ ሓዊስካ ኣብ’ዚ እዋን እዚ 31 ሃገራት ሓቚፉ ዘሎ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፣ ንመለኪዕታት ኣባልነት ዘማልአት ዝኾነት ኤውሮጳዊ ሃገር ክጽንብር ዘኽእል ክፉት ፖሊሲ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ። እንተኾነ፣ ናብ’ቲ ኪዳን ክጽንበራ ናይ ዝሓታ ሃገራት ጉዳይ፣ ኩለን ኣባላት ሃገራት እቲ ኪዳን ብመንገዲ ሃገራዊ ባይቶታተን ከጽድቕኦ ስለዘለወን ፣ መስርሕ ኣባልነት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ብመርገጺታት ዉሳኔታትን ኣባላት ሃገራት ኣመና ኪጽሎ እዩ ዝርአ።
ቱርኪ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ብዘለዋ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ፣ ኣብ’ቲ ወተሃደራዊ ኪዳንን ዉሳኔታቱን ቀሊል ዘይኮነ ጽልዋ ከምዘለዋ እዩ ዝሕበር።