ኣብ ኤውሮጳ ካብ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ከቢድ ብድሆ ምህላዉ ተገንዚቡ፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብስም ህዝባዊ ሰሚናር ገንዘብ ህዝቢ ናይ ምምንዛዕ ገዚፍ መደብ ሰሪዑ ዝሓገየ ህግደፍ ዕላማኡ ከምዘይትዓወተሉ ተፈሊጡ።

ህግደፍ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ኣብ በበይኑ ሸነካት ዓለም ከዉፍሮም ዝሓለነ ናይ ወፍዩን ኣዋጹን ሰሚናራት ፣ ህዝቢ ሻቡ ኣስተብሂልሎም ከምዘርሓቐ ፣ ስለዝኾነ ድማ ዘይወግዓዉያን መሓዉራት ዜና ህግደፍ ይኹና ብዉልቂ ምስቲ ጉጅለ ዝደናገጹ ወገናት በቶም ሰሚናራት ካብ ምዝራብ ምቚጣቦም ይንገር።

ኣብ ስደት ኮይኑ ግዳይ ቀጻሊ ምዝመዛታት ህግደፍ ዝኸዉን ዘሎ ሰዓቢ ፣ ብናይ ሓሶት መብጸዓታት ጉጅለ ህግደፍ ተታሊሉ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኪገብሮ ዝጸንሐ ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ ባይታ እንታይ ፍረ ተረኺብዎ ኢሉ ከገናዝብ ከምዝግባእ ምንጭታት ኤሪሳት ብቐጻሊ ከተሓሳስቡ ጸኒሖም እዮም።

ህግደፍ ኣብ ስደት ንዘሎ ዜጋ ዘደፋንቚ ምኽኒታት እናመስርሐ ፣ ኣብ ምጭፍላቕን ምጩቋንን እቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ዘዉዕሎ ልዑል መጠን ገንዘብ ንምኽዕባት ጀሚርዎ ዘሎ ወፍሪ ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ሰሜን ኣመሪካን ካልኦትን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ኪብድህዎ ተራእዮም እዮም።

ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝሳቐ ዘሎ ወገኑ ዘለዎ ሻቕሎት መዝሚዝካ ልዑል ገንዘብ ንምምንዛዕ ብህግደፍ ተሓንጺጾም ብኤምባሲታትን ቆንስላትን ምድላዋት ክግበረሎም ዝጸንሑ ጐስጓሳትን ህዝባዊ ሰሚናራትን ካብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ብዘገምታ ይካየዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እተን ድሕነትን ዜግነታዊ ኣገልግሎታትን ኤርትራዉያን ከዉሕሳ ዝጽገማ፡ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ምምንጣል ጥራይ ዝቐለን ኤምባሲታትን ቆንስላትን ፡ ኤርትራ ደጊም ካብ ስግኣት ወያነ ስለዝወጸት ህግደፍ ገዚፍ ሃገራዊ ልምዓታዊ ተሃድሶን ማሕበራዊ ሕዉየትን ወጢኑ ከምዘሎ እንዳጎስጎሳ፡ ህዝቢ ገንዘቡ ከዉፊ ናይ ዘመተ መደባት ሰሪዐን ምህላወን ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።