ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዘጋጠመ ደማዊ ግጭት ዓለም ምልእቲ እንዳተዛረበትሉ ፣ ግብሩ ዘሕነኾ ህግደፍ – ብዛዕባ እቲ ፋጻሜ ካብ ምዝራብ ዘህድሞ ሽፋን ንምርካብ፡ ኣየነይቲ ማዕከን ዜና እዋናውነት ዘይብሉ ነጥቢ ኣልዒላ – ሃሰዉ ክብል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንናይ ተልኣቪቭ ግጭት ኣመልኪታ ኣብ ዘስፈረቶ ትሕዞ ፡ ብዛዕባ ሕሉፍ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ዉዕል ኤርትራን እስራኤልን ትንክፍ ንዘበለት ስዑዳዊት ማዕከን ዜና ኣል’ሓዳስ ፡ ዲቕ ዝበለ ትርኽ ዝሓዘ መግለጺ ኣውጺኡላ ኣሎ።
ህግደፍ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜናኡ ኣውጺዎ ዘሎ መግለጺ ፣ ካብ’ቶም ብደማዊ ግጭት ከተማ ተልኣቪቭ ተላዒሎም ዘለዉ ገዘፍቲ ሕቶታት ሃዲምካ ኣብ ዘይእዋናዊ ምልልስ ንምሕባእ ዝዓለመ ጥራይ ዝይኮነ፡ ነቲ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መሓውራዊ ንጠፈታቱ ዝሕይል ዘሎ ብድሆ ቀስ እንዳበለ ኪዛረበሉ ንኽጅምር እንተምሓረሉ ኢሉ’ዩ ነዚ ምስ ሓንቲ ብዛዕባ ዉዕሎ ተልኣቪቭ እንዳጸብጸበት ንእግረመንገዳ ዝኾነ ዘረባ ሰዉ ዘበለት ማዕከን ዜና ከፊትዎ ዘሎ ናይ ‘ተጸሊምና!’ ክሲ ዝዋስኣሉ ዘሎ።
ከም’ኡ ስለዝኾነ እውን ፣ ህግደፍ ኣብ ምዝዛም ናይ’ቲ ንመደበር ተለቪዥን ኣል’ሓዳስ ዝሓንጠጦ መግለጺ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ውራያቱ ዚዛይድ ዘሎ ብድሆን ብዛዕባ ተዋሳእቱን ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኸካፍል ከምዝኾነ ጠቒሱ።
ወፍሪ ምንእሰያት ፍትሒ ዛጊት ወኒንዎ ዘሎ ጸብለልታ ፣ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊን ቊጠባዊን ኣልቦነት ህግደፍ ቀጻሊ መቕጻዕቲ ኸንብር ከምዝኾነ ብእዋናዊ ክንጸባረቕ ጀሚሩ ኣሎ።
ወፍርታት መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ፣ ማእከላይ ዕላማኦም ብንጹር ከምዝወቕዑ ተረጋጊጹ እዩ። ዕላማ እቶም መንእሰያት ፣ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ጠንቂ ቀጻሊ ፖለቲካዊን ገንዘባዊን ምዝመዛ ኮይኑ ምጽንሑ ናብ እዝኒን ኣድህቦም ማሕበረሰብ ዓለም ንምቕራብ እዩ ነይሩ።
ስለዝኾነ ድማ ፣ ቃልሲ እቶም መንእሰያት ኣብ ሓያለ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ኤውሮጳ ሕጂ ድማ ኣብ እስራኤል መዛረቢ ሃገራዉያንን ኣህጉራዉያንን ማዕከናት ዜና ኮይኑ ፣ መንግስታት እተን ሃገራት ነዊሕ እዋን ንዝሰረተ ምዝመዛ ህግደፍ ንኽገትኣ ይደፍእ ኣሎ።