ጉጅለ ህግደፍ በቲ መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ዘሐይልዎ ዘለዉ ትብዓትን ድፍረትን ኣመና ርዒዱ ከምዘሎ ፣ ካብ’ቲ ብመንገዲ መሓዉራቱ ክሳብ ሕጂ ዝደጋግሞ ዘሎ ፣ እቶም መንእሰያት ኤርትራዉያን ኣይኮኑን ዝብል ጸለመ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
ዝሓለፈ ወርሒ፣ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ከይተርፈ ፣ እቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝቃወሙ ዘለዉ መንእሰያት፡ ዝበዝሑ ብመንገዲ ኢትዮጵያዊ ክፍሊ ስደተኛታትን ተመላሶን ARRA ናብ ስደት ዝገዓዙ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ እዮም ዝብል ዘሕንኽ ጽሑፍ ኣዉጺኡ ኔሩ።
ብዘይካ’ዚ ህግደፍ ፣ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ብዝነጥፉ ናይ ወረን ጽንጽንታን ኣሃዱታት፡ ነቲ ብኤርትራዉያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ስግር ባሕሪ ዝፈጸም ዘሎ ጅግንነት ካልእ ስእሊ ንምትሓዝ ይሃልኽ ከምዘሎ፣ ህዝቢ ግን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘለዎ ርድኢት ንዉሽጡ ጌሩ ፣ ፍናናኑ ተስፋኡን ዛይዱ ከምዘሎ ምሕባርና ኣይርሳዕን።
ህግደፍ ሰሙንን ልዕሊኡን ብዘይዕረፍቲ መብራህቲ ሓያለ ከተማታት ከጥፍእ ተገዲዱ ምህላዉ ዝሕበር ዘሎ ኮይኑ ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዓወታት ናይቶም ንመሓዉራት ዓመጽ ኣብ ስደት ዝቘጽዩ ዘለዉ ደቁ ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ይሰምዖን ይከታተሎን ኣሎ።
ብዛይካ’ዚ፣ ኣብ ድግሳት ህግደፍ ናይ ዝሳተፉ ደገፍቲ ዝርዝር ኣስማት ምእካብ መስርሕ ተበራቲዑ ይቕጽል ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ፡ ካብ ዓማጺ ሃዲምና ኢሎም ተዓቚቦም፣ ሕጂ ኣንጻር ህዝቦም፡ ንዓማጺ ዘስብሑ ዘለዉ ኤርትራዉያን ፣ መለሳ ናይቲ ሕልናኦም ቀቲሎም ኣንጻር ህዝቦምን ሃገሮምን መሪጸሞ ዘለዉ መርገጺ ኪፍደዩ ግዜኡ ከምዝኣኸለ ይርአ ኣሎ።
ንባዕሎም ካብ ምልኪን ጸገምን ኣምሊጦምን ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ጸገምን ምልኪን ክቕጽሉ ስኽፍ ዘይብሎም ደገፍቲ ህግደፍ፣ ክሳብ እቲ ኤርትራ ፍትሒን ራህዋን ረኺባ መቕጻዕቶም ዝቕበሉ ፣ ኣብ’ቲ ሕጂ ዝነብሩሉ ዘለዉ ዓዲ-ሕጊ፡ ብገበኖም ኪሕተቱ ምዃኖም ክርድኡ የድሊ።