መሰጋገሪ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ነቲ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ንምዕራፍ መዚዝዎ ዘሎ ሸምጋሊ ጉጅለ ብኬንያ ዘይኮነ ብደቡብ ሱዳን ኪምራሕ ከምዝደሊ ደጊሙ ኣነጺሩ ኣሎ።

እዚ ዝተፈልጠ ፣ ንዳግማይ ተጀሚሩ ዘሎ ዝርርብ ፈለግ ኒል ንምስታፍ ኣብ ግብጺ ቀንዩ ናብ ደቡብ ሱዳን ንዘምርሐ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣቡርሃን ዘሰንዮ እዋናዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዓሊ ኣልሳድቕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መሰጋገሪ ምንግስቲ ሱዳን ሕጂ’ዉን ነቲ ናይ ኢጋድ ሸምጋሊ ጉጅለ ኬንያ ክትመርሖ ከምዘይመርጽን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኪመርሖ ከምዝደሊን ደጊሙ ኣነጺሩ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ልኡላዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳንን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቅብባል፡ ንዞባዊ ጻዕርታት ሰላም ኣብ ሱዳን ይዕንቅጽ ምህላዉ ተንተንቲ ፖለቲካ ከጠንቅቚ ጸኒሖም እዮም።
ከምዝፍለጥ ፣ ኲናት ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ኪርከቦ ብዉድብ ኢጋድ ተጣዪሱ ዘሎ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝመርሖ ኮሚተ ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ስርሑ ከቃንዕ ኣይከኣኣለን ዘሎ። እቲ ምኽንያት ፣ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩቶ ፍጹም እምነት ከምዘይብሉን ብኻልእ ሰብ ክትካእን ይጠልብ ስለዘሎ እዩ።

ብፍላይ እታ ዊልያም ሩቶ እትምራሕኮሚተ ፣ ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢ ንምዉሓስን ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ንምርግጋጽን ዞባዊ ዓቃብ ሰላም ናብ ሱዳን ክለኣኽ ዝብል ሓሳብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምንቃላ ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣዝዩ ተቘጢዑ ይርከብ።
ዝሓልፈ ወርሒ ነሓሰ ፣ ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዝኾነ ሌተናንት ጀነራል ያስር ኣል ዓጣ ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ሱዳን ሃገሩ ኪከላኸል ምሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎን ፣ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ድማ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኢዱ ካብ ምስላዂ ኪቚተብን ኣተሓሳሲቡ ኔሩ።

ዝሓለፈ 12 ሰነ ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራቱ ዘቃንዐ ኢጋድ፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ሰሪቱ ዘሎ ግጭት ንምሽምጋል ንዝመዘሞም መራሕቲ ጂቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ፡ መራሒ ኬንያ ኪሕወሶም ኣብ ዉሳኔ ምብጻሑ ኣይርሳዕን።

ጀነራል ኣቡርሃን ፣ ኬንያ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሱዳን ወገን ሒዛ ንመራሕቲ ዳዕመል ሰሪዕ ተደጋገፍን ትሓቊፍን ከምዘላ እዩ ዝኣምን። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን እዉን ተመሳሳሊ እምነት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ኪገልጽ ጸኒሑ እዩ። ሰብ ስልጣን ኬንያ ንኩነታት ሱዳን ኣመልኪቶም ኣብ ዝህብዎም መግለጺታት ናይ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ጸግዒ ምዃኖም ከውክኡ ምጽንሖም እዩ ኣቡርሃን ዝወቅስ።
እንተኾነ ፣ ጀነራል ኣቡርሃን ይኹን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን እቲ ብኢጋድ ነቒሉ ዘሎ ተበግሶ ዘተ ሰላም ክቕጽል ድሌቶም ምዃኑ እዮም ዝሕብሩ።