ኣብ ስደት ኣብ ልዕሊ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ዛጊት ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት፣ ታሪኻውን ኣብ ምሕጻር ዕምሪ’ቲ ጸቢብ ጉጅለ ዘይነዓቕ ተራ ከምዝህልዎን፡ ካብ ዉሽጢ ሃገር ዝመጸና ዘሎ ህዝባዊ ርእይቶታት ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ግዳም ብመንገዲ ናይ ምዝመዛ ንጥፈታቱን ናይ ጸሊም ንግዲ መሓዉራቱን ዝድልቦ ሓይሊ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ዜጋ ኣብ ምዱቃስ ኪጥቀመሉ ከምዝጸንሐ፣ መንእሰያት ፍትሒ ጀሚሮሞ ዘለዉ ተግባራዊ ወፍሪ ግና ንምንጪ ሓይሊ እቲ ጸቢብ ስርዓት ይዓጽዉ ሰለዘሉ ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ዉሽጢ ሓሲምዎ ዘሎ ህዝቢ ልዑል ፍናንን ተስፋን ይርአ ከምዘሎ እዩ እቲ ርይቶታት ዘረድእ።
ካብ ሽያጥ ሃገራዊ ግምጃ ዝኣቱ ቢልዮናት ዶላራት ኣብ ናይ ዉልቁ ማሕፉዳ እንዳቐርቀረ፣ ኣብ ስደት ንዝነብር ህዝብና መዝሚዙ ንዝእክቦ ገንዘብ ድማ ኣብ ምጭፍላቕ ራህዋ ህዝቢን ሃገርን ከዉዕሎ ዝጸንሐ ህግደፍ፣ በቲ ኣብ ስደት ናብ ተግባር ተሰጋጊሩ ዘሎ ቃልሲን ርዒዱ ዘሎ ኣማራጺታት ይስንዱ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ ስግር ባሕሪ፣ ካብ ግዱድ ግብሪ 2%፣ ግዱድ ሱታፌ ካብ ዝስረዓሎም ናይ ክፈሉን ኣዋጽኡን ሰሚናራትን ፈስቲቫላትን ፣ ካብ እተን ብስም ዉልቀሰባት ዝዉነና ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ዝኽዕበተለን ትካላት ንግዲን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ፣ ካብ ትካላት ሓዋላን ሓረጣን ጠገለ ዘይብሉን መጠን ገንዘብ ዝቕበል ጉጅለ ህግደፍ ፣ ነዞም ምንጭታት ዒላማ ገይሩ ዘሎ ተግባራዊ ጽምዶ ኤርትራዉያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ኣርዒድዎ ይርከብ።
ኤርትራዉያን መንእሰያት ፍትሒ፣ ብዘይካ’ዚ ወቕታዊ ዉራያት ህግደፍ ንምኹላፍ ዝቐነዩዎ ዉዕሎ፣ ኣብ መጻኢ፣ ንዘሎ ዘይሕጋዊ ኣካይዳታት ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ ዓዲን ስግር-ባሕሪ እንዳሰነድካ ንመንግስታት እተን ዘለኻለን ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ምክፋል ካብ ቀንዲ ስራሖም ኪኸዉን ከምዘለዎ እዩ እቲ ህዝባዊ ርእይቶ ዝመክር።
ኣብ ዲፕሎማሳዉያን መሓዉራትን ስማዉያን ማሕበረኮማትን ህግደፍ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ብቐጻሊ እንዳተኸታተልካ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምሕባር ፣ ደሓር – ህግደፍ ብመንገዲ ፈስቲቫላትን ካልኦት ባህላዊ ዉራያትን ገዚፍ ምዝመዛ ከካይድ ኣብ ዝህቅነሉ ካብ መንግስታት እተን ሃገራት ዕቱብ ብድሆ ኪገጥሞ ዘኽእል እዩ።
ኤምባሲታትን ቈንስላትን’ቲ ጉጅለ ፡ ዓመት ምሉእ ብሕቡእ ዝእክብኦ ግዱድ ግብሪ 2%፣ ምስቲ ኣብ ፈስቲቫል፡ ብመንገዲ ግዱድ ወፈያን ሸቐጣ ሸቐጥን ዝዉህለል ሚልዮናት ገንዘብ ደባሊቕካ ንምሕጻቡን ፣ ሕጋዉነት ከምዝለብስ ንምግባርን ፡ ነቶም ፈስቲቫላት ባዕሉ ብዘማሕድረን ማሕበረኮማት ከምዘካይዶም ብቐጻሊ ምጥራዕ ፡ ንመንግስታት ኤውሮጳ ይኹን ኣመሪካ – ብዛዕባ ሕቡእ ዕላማ እቶም ፈስቲቫላት ንጹር መረዳእታ ኪሕዙ የኽእሎም እዩ።
ብስም ማሕበረኮም ዝሻቐጣ መሓወራትን ትካላትን ህግደፍ ዝዉድብኦም ፈስቲቫላት፡ ጽልእን ፍልልይን እንዳጎስጎሱ ልዑል መጠን ገንዘብ ንመሳለዪ ስልጣን መላኺ ስርዓት ዘኻዕብቱ ምዃኖም ቀጻሊ ንማሕበረሰብ ዓለም ምሕባርን መርትዖታት ምቕራብን ፣ ዘየቋርጽ ዕዮ-ገዛ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ኪኸዉን ከምዘለዎ ኪንጽዉዕ ቀኒና ኢና።