በቲ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዘጋጠመ ደማዊ ግጭት ቀዳማይ ተሓታቲ ዝኾነ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ እስራኤል፣ ብዛዕባ እቲ ግጭት ኣብ ባይታ ዘይነበረ ዕላላዊ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።
እቲ ኤመባሲ ፣ ነቲ ባዕሉ ኣጉባዝ እንዳኣኻኸበ ኪቕስቅሶን ፈኸራታት ኣባዚሑ ኪዳለወሉን ዝቐነየ ግጭት ኣሕዋት ፣ “ ናይ እምባጋሮ ባእታታት” ኢሉ ክጽውዖም ዘይሓፈረ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ከምዝጀመርዎን ከምዝሕተትሉን ንምምኽናይ እዩ ደፋር መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።
ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ እስራኤል፣ ንሃጓፋት ፖሊስ ከተማ ተልኣቪቭ ብዝጥዕሞ እንዳዘርዘረ ፣ ነቶም ውራይ ምዝመዛ ንምኹላፍ ተቛውሞኦም ከስምዑ ዝተኣኣኻኸቡ መንእሰያት ዳርጋ ኹሎም ኤርትራዉያን ከምዘይኮኑ እዩ ከይሓፈረ ሞጊቱ ።
ኣጉባዝ ኣኻኺቡ ከፈራርህን ንጎነጽ ዝዕድሙ ፈኸራታት ከተባብዕን ዝቐነየ ኤምባሲ ህግደፍ ፣ ክሳዕ ናይ ኢድ ኮልቲ ዝርከብዎም ተጓዳእቲ ነገራት ዝዓጠቑ ሰባት ኣዳሊዩ ፡ ነቲ ናይ ከተማ ተልኣቪቭ ደምነት ኪህንጠ ድሕሪ ምቕናይ ፣ ሕጂ ድሌቱ ምስ ሰመረሉ ናይ ተበዳሊ ቦታ ንምሓዝ ነዚ መግለጺ ኣውጺ ኣሎ።
ምስዚ ኣብ ዝተእኣሳሰር፣ ፖሊስ ተልኣቪቭ ብዛዕባ እቶም ብረት ዓጢቘም ኣብቲ’ቲ ግጭት ጉድኣት ዘውረዱ ደገፍቲ ህግደፍ ፍሉይ መርመራ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ፖሊስ እታ ከተማ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ግጭት ንሕና ዝተኮስናየን ጠያዪት ኣዝየን ውሑዳት ኮይነን፣ ብጥይት ናይ ዝቘሰሉ ሰልፈኛታት ቊጽሪ ግን ልዕሊ 15 ከምዘሎ ጠቒሱ፣ ኣብቲ ግጭት ብረት ዝሓዘ ደገፍቲ ህግደፍ ዘረጋግጽ ኣሳእል ተረኺቡ ብምህላዉ ፣ ተሓተቲ ብቕልጡፍ ንምሓዝ መርመራ ተጀሚሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ፖሊስ እስራኤል ድሮ ንሓደ ካብቶም ብረት ሒዞም ኔሮም ዝተባህሉ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ቊጺጽር ኣእትዩ ከምዘሎን ተወሰኽቲ ጥርጡራት ኣብ ምህዳን ወፊሩ ከምዘሎን ይሕብር።
መንግስቲ እስራኤል ነቲ ናይ ዝሓለፈ ቀዳም ግጭት ኤርትራዉያን ብዕቱብ ሒዝዎ ከምዘሎ ካብ’ተን ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ገና ዚዛረባ ዘለዋ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክረጋግጽ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዓቲቡ ነቒሉ ዘሎ ዝመስል መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ፣ ንሕጂ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ካብቶም ደገፍቲ ናብ ኤርትራ ክጥርዝ መደብ ከምዘለዎ ብወግዒ ሓቢሩ እዩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፣ ኣብ’ቲ ግጭት ፣ ኣንጻር ምልኪ ዝወገኑ ኤርትራዉያን ፡ ኣበሳኦም ተጻርዩ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም ናብ ግልል ዝበለ ከባቢ ኪውሰዱ ዘኽእል መደብ ይስረሓሉ ምህላዉ እዉን ነጊሩ እዩ።