ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ፡ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ብኹሉ ወገኑ ንምቚጻይ ነቒሉ ይጓየ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ እቶም ነዚ ንቕሎ ብጉልበታዊ ዓይኒ ጥራይ ዝርእይዎ ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ – ተገሪሆም ገና ግዳያት ይኾኑ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘንጸላልዎም ንዘሎ ሕጋዊ ሓደጋ ኣየስተብህሉን ዘለዉ።
“ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት እየ ሃዲመ!” ኢልካ ተዓቚብካላ ኣብ ዘለኻ ሃገር፣ ገጽካ ቀሊዕካ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ትድግፍ ምዃንካ ከተመስክር ምድፋር ዘምጽኦ መዘዝ ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዝርአ እዩ።
ኤርትራዉያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣዊጆሞ ዘለዉ ዝተወሃሃደ ቃልሲ፣ ንረብሓ ህዝቦም እምበር በንጻሩ ከምዘይኮነ ዛጊት ዘይተረድኦም ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ፣ በቲ ኣእምርኦምን ሕልናኦምን ዓጽዮም ክስዕብዎ ዝመረጹ ጉጅለ ዝተነግሮም ጸለመን ፕሮፖጋንዳን ጥራይ እንዳተናደዱ፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋቶም ብጉልበት ኪማለሱ ይረኣዩ ምህላዎም ይንገር።
ንመራሒ ህግደፍን መላኺ ጉጅለኡን ምቅዋምን ደዉ ምባልን ማለት ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምዉፋር ዘይዃኑ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝብና ኣጸቢቚ ተረዲዎ ኣሎ።
ህግደፍ፡ እቶም ከም ጸላእቲ ህዝቢን ሃገርን ከምኡ’ዉን ዕሱባት ናይታ ኣብ ስልጣን ዘየላ ወያነ ኣምሲሉ ብምጽላም ከጓንዮም ክፍትን ዝጸንሐ ኤርትራዉያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ፣ ንሓቀኛ ራህዋ ህዝቦም ዘይደቀሱ ሃገራዉያን ምዃኖም ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ዝበዝሐ ህዝብና ተረዲኡዎ ይርከብ።
ምልኪን ስቓይ ህዝቡን ዝደገፈ ዜጋ ከም ከም ዉፉይ ሃገራዊ ፣ ንህዝቡ ካብ ምልኪ ከድሕን ዝደክም ዘሎ ድማ ከም ከዳዕን ዕሱብን ንኽርአ ፣ ህግደፍ ንልዕሊ 30 ዓመታት ከይሰልከየ ኪጉስጉስ ጸኒሑ እዩ።
ኤርትራዊ ዜጋ ንሃገሩ ብዘለዎ ፍቕርን ብዝኸፍሎ ኹሉዓይነታዊ መስዋእቲን ዘይኮነ፡ ንመራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ብዘርእዮ ሕሉፍ ተማእዛዝነት ጥራይ ሃገራዊ ዝበሃለላ ኤርትራ ተፈጢራ ምህላዋ ምንጭታት ኤሪሳት ደጊሞም ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ፡ ሓሶትን ተገዛእነትን ከም መለለዪ ሕሉፍ ሃገራዉነት ንምስማሩ ነዊሕ ዓመታት ክሰርሕ እዩ ጸኒሑ።
ህግደፍ ኣብ ዝገዝኣ ዘሎ ኤርትራ ፣ እቲ ህይወቱ፡ ኣካሉ፡ ገንዘቡን መጻኢኡን ብቕንዕና ንሃገር ዘወፊ ዜጋን እቲ ሓርነት ኪነግስ ዝቃለስ ዘሎ ወገንን ዝተሓተ ዋጋ እንዳተዋህቦም፡ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ኮይኑ ብሓሶት እንዳመስከረ ጣዕሚ ናብራኡ እንዳሓለወ ንመራሕቲ ህግደፍ ዝድግፍ ዜጋ ግና ከም ብጹእ ሃገራዊ ጌርካ ናይ ምቕራብ ባህሊ ነጊሱ እዩ ጸኒሑ።