ኣብ ሃገሩ ፍትሒን ራህዋን ኸንግስ ዝቃለስ ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ፡ ንሃገር ኣድሒሩ ዘሎ ምልኪ ዝምግቡን ዝድግፉን ደቂ ዜግኡ ፡ እቶም ቀዳሞት ጠንቒ ሽግሩ ምዃኖም ልዕሊ ካልእ እዋን ነጺርሉ ከምዘሎ ይምስከር ኣሎ።
ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ ነቶም ኣብ ልዕሊ ጸገም ህዝቦም ዝፍስሁን ዝላገጹን ደገፍቲ ምልኪ ከም ተቐናቐንቱ ዘይኮኑ ከም ጸላእቱ ርእዩ ክሳዕ ዘይተንቀሳቐሰ ዝመጽእ ሃገራዊ ለዉጢ ከምዘይህሉ ልዕሊ ካልእ እዋን ተረዲእዎ ኣሎ።
ህዝቢን ሃገርን ዘባድም ንዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝድግፍ ዜጋ፡ ምስ’ቲ በቲ ጉጅለ ዝጭቈንን ዝቕተልን ዘሎ ሓፋሽ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘይኮነ ናይ ህላዌ ሕቶ እዩ ዘሎ። ንሓደ ቀታሊን ብኹሉ ገበናት ሰብኣዉነት ዝሕተትን ስርዓት ዝድግፍ ኤርትራዊ ዜጋ ፣ ኣካል ናይቲ ገበን ስለዝኾነ – ቅሉዕ ጸላኢ ሓፋሽ እምበር ካልእ ሽም ክወሃቦ ከምዘይኮነ – ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኣጸቢቑ በሪህሉ ኣሎ።
ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒን ንደገፍቲ ህግደፍን ዝጸንሖ ሕዉነታዊ ኣኽብሮት ፣ እቶም ደገፍቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ደንበ ርኡይ ንዕቀት ከዋህልሉ ገይሩ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ኣብ ሃገር ዘሎ ሓፋሽ ከይርህዎ ብዝለዓለ ምስ መላኺ ክደጋገፉን ስለዘተራእየ ፣ ደጊም እቲ ኣኽብሮትን ምትሕልላዉን ንግዜኡ ኪዉንዘፍ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ መሪጹ ኣሎ።
ዝበዝሑ ንህግደፍ ዝድግፉ ኤርትራዉያን ፣ ብፍርሂን ዉልቃዊ ረብሓን እምበር – ፍቕሪን መስተርሆትን ህዝቦም ዓዚዝዎም ከምዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። ንረብሓ ህዝቡን ዝጻባእን ምልኪ ኣብ ስልጣን ኪጸንሕ ምስ ደለይቲ ለዉጢ ዝተሃላለኽን ዜጋ – ውጹእ ጸላኢ ህዝቢን ሃገርን እምበር ካልእ መለለዪ ኪህልዎ ኣይክእልን።
ህዝቦም ካብ ጸበባ ከይናገፍ ዝተሃላለኹ ዘለዉ ደገፍቲ ህግደፍ ደሓር መሬት ምስ ረሃወ ብዙሕ ሕጋዊን ፍርዳዊ ብድሆታት ክጽበዮም ምዃኑ ከስተዉዕሉ የድሊዮም ኣሎ።