ፖሊስ ክልል ትግራይ ንላዕለዎት ኣባላት ስለስተ ፖለቲካውያን ውድባት እታ ክልል ቀይድታት የብዝሕ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ውድብ ናጽትን ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ን7 መስከረም ኣብ ከተማ መቐለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽካየድ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚረን ንህዝቢ ኪጉስጒሳ ከምዝቐነያ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ድሮ እቲ ናይ ተቛውሞ ዕለት እዩ ላዕለዎት ኣባላተን ኪእሰሩን ክንገላትዑን ተራእዮም።
እተን ሰለስተ ውድባት፣ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ብሓፈሻ ንውሽጣዊ ክውንነትን ኣመት-ትግባሬን ናይ’ቶም ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ት ተበጺሖም ዝተባህሉ ስምምዓትን ድማ ብፍላይ ኣድህቦ ኽረክብ ብዝብል እየን ነቲ ህዝባዊ ጻዉዒት ከቕርባ ቀንየን። እንተኾነ፣ ፖሊስ እታ ክልል ኣብዚ እዋን እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ፡ ጸጥታዊ ኩነታት መቐለ ኣየፍቅድን’ዩ ዝብል ምኽኒት ብምቕራብ ክተሃላለኽ ቀንዩ።

ንፈደራላዊ መንግስቲ ምሉእ ተማእዛዝነት የረጋግጽ ከምዘሎ ዝሕመ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፣ ነጥብታት ስምምዕ ሰላም ፕሪፕቶርያ ከም ዝተበጽሖ ኪትግበር ጸቕጥታት ካብ ምግባር ቦኺሩ ክምዘሎ እየን እተን ዉድባት ብቐጻሊ ዝወቕሳ።
ህ.ወ.ሓ.ት ወግዓዊ ሽሙ ኣሽሪፉ ወይ’ውን ቀይሩ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዘሎ ኣማራጺታት የልዕል ምህላዉ ዝኸሳ እተን ውድባት፣ ህወሓት – ብመንገዲ’ቶም ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከካይዱ ተመሪጾም ዘለዉ ልሉያት ኣባላቱ ነበር ፡ ኣብ ፖለቲካ ትግራይን ኢትዮጵያን ንኽጸንሕ ክብል ንመጻኢ ህዝቢን ክልልን ትግራይ ብዘይመለሳ ይዋገየሉ ከምዘሎ እየን ዝወቕሳ።

ሰብ ስልጣን ህወሓት ኣብ’ቲ ንኽልተ ዓመታት ዝኸደ ኲናት ዘጋጠሞም ስዕረት ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብምልምላም ኣብ ስልጣን ኪጸንሕሉ ዘኽእሎም ደበስ የናድዩን ንጸጥታዊን ማሕበረ-ቊጠባዊን ድሕነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝበኣሰ ሓደጋ የእትዎ ከምዘሎ ዝኸሳ ፖለቲካዉያን ውድባት እታ ክልል ፣ ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምቛም ዝጉየየሉ ዝነበረ መስርሕ ካብ ምስታፍ ኢደን ምስሓበን ኣይርሳዕን።

እተን ዉድባት ከም ው.ና.ት ነቲ ሕጂ ስሙ ተሓዲጉ ዝርከብ ህወሓት፡ ካብ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ ዘርእዮ ዘሎ ስንፍና በቲ ሓደ ፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ትግራይ ንምብሓት ዝገብሮ ዘሎ ተገዛእነት ድማ በቲ ካልእ ብግህዶ ካብ ምቅዋምን ምንቃፍን ኣየዕረፋን።