ኣብ ስደት ኣብ ልዕሊ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ዛጊት ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት፣ ታሪኻውን ኣብ ምሕጻር ዕምሪ’ቲ ጸቢብ ጉጅለ ዘይነዓቕ ተራ ከምዝህልዎን፡ ብተዳጋጋሚ የመስክር ኣሎ ።
እቲ ቆሪጹ ዝተላዕለ ኤርትራዊ መንእሰይ ደላይ ፍትሒ፣ ብዘይካ’ዚ ወቕታዊ ዉራያት ህግደፍ ንምኹላፍ ዝቐነዩዎ ዉዕሎ ብርጌድ ንሓመዱ ነቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ፍትሓውን ወጽዓ ዘበገሶ ከም ዝኮነን ብዝተፈላለየ መገድታት ከረድእ ጸኒሑዩ።
ሎሚ ዓርቢ 8 መስከረም ውን ነዚ መቐጸልትኡ ነፍስ ወከፍ ኣባል ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ኣባላቱ ደገፍ ንምግባርን ፖሊስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ተኹሲ ከፊቱ ሰባት ከምዝሃሰየን ነዚ ከኣ ዝግባእ ፍትሒ ክነግስ ንምግባርን ኩሉ ኣባል ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ኣፍደገ እስራኤል ኤምባሲ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር መደባት ተጻፊፉ ከምዘሎ በቲ ዘውጸኦ ጽሑፍ ኣፍሊጡ እዩ።
ድሮ ነዚ መግለጺ ኣብ ተግባር ከውዕሉ ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ እስራኤል ኤምባሲ ድምጾም ከስምዑ ከምዝወዓሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ። ንሶም ብጽሑፍን ጭርሖ ብምሓዝን ኣብ ዝገበርዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ መንግስቲ እስራኤል ንሓተቲ ዑቕባ ሙሉእ ውሕስነት ክህብን ነቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ደጊፎም ናዕቢ ዘለዓዓሉ ኣፍቀርቲ ምልኪ ናብ ዓዶም ከፋንዎምን፡ ኣብልዕሊ፡ኣባላት ፍትሒ ብፖሊስን ኣኽበርቲ ጸጥታን ዝወረደ ኣካላዊ ማህሰይቲ ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ንኽቀርቡ ክሰርሕን ዝብሉ ጭርሖታት ከጋውሑ ዊዒሎም ።