መርበባዊ ቊመና ሒዙ ዘሎ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ውዳቤኡ ኣወርጺጹ ዓለምለኻዊ ዝርግሐ ንምርግጋጽ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ከምዝርከብ፣ ግዝያዊ ኣቦመንበር ዓለምለኸ ብርጌድ ንሓመዱ ኣቶ ክብረኣብ ኪሮስ ሓቢሩ።
ኣቶ ክብረኣብ ምስ ኤሪሳት ኣብ ዘቃንዖ ቃለመሕትት፣ ብርጌድ ንሓመዱ – ዋንነት ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ወገን ከይኮነ ኣብ ሑቕፊ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኾይኑ ንኽግስግስ ዘኽእሎ መስመር ኣብ ምንጻር ዓቲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ውዕሎ ጊሰን ህላዌኡ ዘነጸረ ብርጌድ ንሓመዱ ፣ ፈለማ ኣብ ሽወደን፡ ጀርመን፡ በልጁም፡ ብሪጣንያ ፡ ሆላንድ፡; ስዊዘርላንድ ፡ ፈረንሳ፣ ኖርወይ፡ ዴንማርክ ፡ ጨናፍር ኣስሚሩ – ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ፣ እስራኤል፡ ኡጋንዳ፡ ከምኡ’ዉን ኣውስትራልያ ተገቲሩ ከምዘሎ ዘዘኻኸረ ኣቶ ክብረኣብ፣ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ቀጻልነት ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተመዝገቡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ማዕበላትን ንፍትሒ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
ብርጌድ ንሓመዱ ፣ ዘይምረጽ ኣማራጺ ኪኽተል ተገዲዱ ዘሎ ምንቅስቓስ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቦመንበር ክብረኣብ፣ ህግደፍ ነቶም ዘሳደዶም መንሰያት ኣብቲ ዝነብርሉ ርሑቕ ዓዲ መጽዩ ንዕቐቱን ምፍርራሃቱን ሰልዝቐጸሎ ፣ እዚ ኣደብ ኪሕዝ ኣለዎ ኢሎም ዝኣመኑ መንሰያት ደለይቲ ፍትሒ ጎነጽ ዝሓዘለ ተግባራዊ ቃልሲ ከቃንዑ ግዜኡ ምዃኑ ኣሚኖም ኪብገሱ ከምተገደዱ ኣብሪሁ።
መራኸቢ ብዙሓን ደንበ ፍትሒ ኣብ ምዕዋትን ምውሃድን’ዚ ዓለምለኻዊ ዉዳቤ ዘሐይል ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ልዑልን ሓላፍነታዊን ተራ ኪጻወታ ዝተማሕጸነ ኣቶ ክብረኣብ፣ እተን ማዕከናት ኣብ ምቅላዕ’ቶም ህግደፍ ኣንጻር ብርጌዳውያን ዝነዝሖም ጸለመታት ዓቲበን ክሰርሓ፣ ህዝብና ብዛዕባ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበል ቀጻሊ ሓበሬታ ኪህልዎ ድማ ከይተሓለላ ክጽዕራ ተላብዩ።
ቅርጺን ቊመናን ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ምስ ግዜ እንዳተደላደለ ይመጽእ ከምዘሎ፣ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝነጥፋ ጨናፍራት ናይ ባዕለን ክፍልታት መሪሕነት፣ ፋይናንስ፡ ጸጥታ፡ ሕጊን ጐስጋስን ወኒነን ፣ ኣብ ባይቶ ዓለምለኸ ብርጌድ ንሓመዱ ብኽልተ ኣባላት ኪዉከላ ንምኽኣል ኣብ ጽዑቕ መስርሕ ከምዝርከቡ እዉን ኣቶ ክብረኣብ ወሲኹ ኣብሪሁ።