ካብ’ቶም ኣብ ደሴት ተርማ ናይ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ህግደፍ ተሪፎም ዝርከቡ ልዕሊ 100 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣስታት 70 ተፈቲሖም ናብ ሃገሮም ከምተመልሱ ማዕከን ዜና ሽንህዋ ሓቢሩ። እቶም ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ የመናዉያን ፣ ናውቶም ተሓዲጎም ከምእተመልሱ እዩ እቲ ማዕከን ዜና ዝሕብር።

ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እዉን ኣብ’ታ ደሴት ንከባቢ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተኣስሩ 80 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም ከምእተፋነዉ ማዕከን ዜና ሺንሁዋ ካብ ሓደ የመናዊ በዓል መዚ ንዝረኸቦ ሓበሬታ መርኩስ ብምግባር ኣቃሊሑ ነይሩ’ዩ።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ የመን በቲ ኣብ ልዕሊ ገፈፍቲ ዓሳ ዜጋታቱ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ በደላት ብቐጻሊ ይኸስስን የጠንቅቕን ከምዘሎ ይፍለጥ። እቲ ሚኒስትሪ በቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጥራይ ንሰለስተ ግዜ መጠንቀቕታ ዝሓወሰ ክሳዊ መግለጺ ኣውጺኡ እዩ።
ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ካብ 2005 ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ብዝወስዶም ናይ ምእሳር ተግባራት ዛጊት ኣስታት 7000 የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝኣሰሩ፣ ንነዊሕ እዋን ዳጒኖም ድማ ንብረቶምን ጀላብኦምን እንዳሃገሩ ከምዝለቅዎም እዩ እቲ ሚኒስትሪ ዝኸስስ።

ህግደፍ ንከባቢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣሲርዎም ዝነበረ 166 የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ እዉን ኣብ ዝሓለፈ 31 ግንቦት ናብ ሃገሮም መሊሱ እዩ ።
ማያዊ ግዝኣት ጥሒስኩም ተባሂሎም ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራ ክቕየዱ ናይ ዝጸንሑ የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ቊጽሪ ክዛይድ ምጽንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ማሕበራት ገፈፍቲ ዓሳ የመን ናብ መራሕቲ ህግደፍን፡ ኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ኤርትራን ብቐጻሊ ክጠርዓ ከምዝረኣያ የረድኡ።
ኤርትራ፡ ብጉዳይ እኩባት ደሴታት ሓኒሽ ኣብ 1995 ምስ የመን ዝኣተወቶ ወተሃደራዊ ጎነጽ ብብይን ሸምጋሊ ኣካል ድሕሪ ምዕራፉ፡ ህግደፍ ናብ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ልዕሊ ዝብሎም የመናዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ቀጻሊ ቀይዲ ካብ ምግባር ከምዘየቋረጸ እዩ ዝሕበር።

ንጉዳይ እቶም ንማያዊ ግዝኣታት ኤርትራን የመንን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ዝነጥፉ የመናውያንን ኤርትራውያንን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት ኣስራሒ ባይታ ንኽርከብ ብሰብመዚ የመን ብተደጋጋሚ ኽጽዋዕ ምጽንሑ ዝግለጽ ኾይኑ ፡ እቲ ጻውዒት ብወገን’ቲ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሃወኽ ፖሊሲታት መሪጹ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ተቐባልነት ብምስኣኑ፡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፉ ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት ዕለታዊ ናብራኦም ንምኩዋን ኽጻገሙ ይረኣዩ ምህላዎም ይግለጽ።

ካብ ስዑዲያን ሕቡራት ኤማራት ዓረብን ኪንዮ ገንዘባዉን ጸዓታዉን ሓገዛት፡ ናይ ኣጽዋር ግንዖ’ውን ኣዉሒሱ ምንባሩ ዝንገረሉ ህግደፍ ፥ ነቶም ኣብ ሃገሮም ብዝተፈጥረ ጸጥታዊ ዉድቀት ተዳፊኦም ናብ ማያዊ ገማግም ኤርትራ ዘምርሑ ዝነበሩ የመናውያን ስደተኛታት፡ “ኣባላት ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሑቲን” “ዘይሕጋውያን ገፈፍቲ ዓሳን” እዮም ኢሉ እንዳቐየደ፡ ኣብ ምርግጋእ እቲ ማያዊ ከባቢ ግቡእ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ብምውሳእ፡ ካብ ስዑዲያን ሕቡራት ኤማራትን ተወሳኺ ሞሳ ይቕበል ምንባሩ እዉን ብተደጋጋሚ ተሓቢሩ እዩ።