ህግደፍ ኣብ’ዘን ዝሓልፋ – ውሑዳት ዘይኮና ሰሙናት፡ ኣብ ልዕሊ ፈስቲቫላቱ ዝወረደ መጥቃዕትን ተቛውሞን ፡ ሓድነትን ምትሕቚቓፍን ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ዝተኣልመ ውዲት ንምምሳሉ መግለጺታት ከብዝሕ ጀሚሩ።
እቲ ጉጅለ ብመንገዲ ክፍሊ ዜናኡ ኣቢሉ ዘቀላቕሎም ዘሎ ጥርዓናት፣ ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ዳሳት-ምንጪ-ገንዘባዊ-ኣታዊኡ ጀሚሮምዎ ዘለዉ ወፈራ ፡ ከም ኣብ ልዕሊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ መጥቃዕቲን ሽርሒን ንምምሳሉ ብሓሶት ዝጉስግሱ እዮም።
ብዘይናቱ ኣፍልጦን ባዕሉ ዘይእዝዛን ናይ ህዝቢ ምትእኽካብ ፍጹም ዘየፍቅድ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላር ንኽግሕጠሎም ብመንገዲ መሓውራቱ ዘቃንዖም ፈስቲቫላትን ዉራያትን ፡ ከም ዋንነት ህዝቢ ኣምሲሉ ብምምጓት፣ ነቲ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ‘ዝገብርዎ ፈሊጦም’ ነቒሎምሉ ዘለዉ ወፍሪ ካልእ መልክዕ ከትሕዞ ብዝሓየለ መልክዑ ይጽዕር ኣሎ።
እንተኾነ፣ እዚ ፍሹል ሜላ ኣብ እዝኒን ልቢን’ቲ ብሓሶትን ምዝመዛን እቲ ጉጅለ ሰልኪዩ ዘሎ ዝበዝሐ ሓፋሽ ዝዓልብ ኣይኮነን።
“ፈስቲቫላተይ ውጹእ ባህላዊን መዘናግዒን እዩ!” ኢሉ ዝምጉት ህግደፍ ፣ እቲ ዝብሎ ሓቂ ከምዘይኮነ፥ ኣብ’ቶም ግዱድ ክድርና፡ ግዱድ ወፈያ፡ ግዱድ ተሳታፍነት፡ ብቐንዱ ድማ ቅሉዕ ፖለቲካዊ ሰሚናራት ኽካየዱ ዝረኣየሎም ድግሳቱ ዝምስከር እዩ። ኣብ ፈስቲቫል ዘይተረኸበ ከም ተቛዋሚ ህግደፍ ክውሰድ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ገንዘብ ዘየወፈየን ኣብተን ህግደፍ ዘመሓድረን ማሕበረኮማት ዘይተቐልቀለን እሞ፣ ተቛዋሚ ጥራይ ዘይኮነ ፡ ኤርትራዊ እውን ኣይኮነን።
ስለዚ፡ በተን መሓዉራት ጉጅለ ህግደፍ ዝቃናዕ ምትእኽኻብን ድግስን ፈጺሙ ባህላዊን ሕውነታዊን ከምዘይኮነ ርጉጽ እዩ።
ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ነዞም ጸቢብ ዕላማ ሒዞም ዓመታት ዝቕጽሉ፣ ንህዝብና ድማ ኣብ ዘይምልከቶ ጽልእን ኲናትን ጎቢዙ ክሽምግል ዝገብርዎ ዘለዉ ‘ዉራያት ፕሮፖጋንዳ’ ባይታ ከምዝጸቦም ንምግባር እዮም ኣብ ቃልሲ ዘለዉ።
ዕላማ እቶም መንእሰያት ፣ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ጠንቂ ቀጻሊ ፖለቲካዊን ገንዘባዊን ምዝመዛ ኮይኑ ምጽንሑ ናብ እዝኒን ኣድህቦም ማሕበረሰብ ዓለም ንምቕራብ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ ፣ ቃልሲ እቶም መንእሰያት ኣብ ሓያለ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ ፡ ሕጂ ድማ ኣብ እስራኤል መዛረቢ ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ማዕከናት ዜና ኮይኑ ፣ መንግስታት እተን ሃገራት ነዊሕ እዋን ንዝሰረተ ምዝመዛ ህግደፍ ንኽገትኣ ይደፍእ ኣሎ።