ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ፣ ሕጂዉን ነቲ ብህግደፍ ቀጻሊ ዝሽራሕ ኣሀልዋሲ ዉዲት ኪነቕሓሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ መራሒኡ ጀሚርካ ክሳብ ታሕተዎት ዓቀይቶቱ ፣ ንደሃዮም ኣታዊን ወጻኢን እንዳገበረ ንህዝቢ ካብ ምድንጋርን ኣብ ዘየድሊ ግምትን ትረኻን ካብ ምጽማድን ኣየዕረፈን ዘሎ።

ብምልዕዓል መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዩ ዝርከብ ህግደፍ ፣ ንከምዚ ዝበለ ናይ 03 ጸወታት ብዝሓየለ መልክዑ ኪሰርሓሉ ምዃኑ ኣሚንና፣ ኩሉ ኣባል ደንበ ፍትሒ ብሓፈሻ ፣ መራኸቢ ብዙሓን እቲ ደንበ ድማ ብፍላይ ንከምዚ ዝበለ ካብ ዘሎ ክዉንነት ንኽንጥምዘዝ ዝገብር ጸወታታት ኪጎርሓሉ ይግባእ።

ኣብዚ ቅንያት ገለ ኣገልገልቲ ፡ ካብ ንጡፍ ስራሕ ከምዘርሓቚን ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥን ንምምሳል ተጀሚሩ ዘሎ ሓጺር ዝዕምሩ ተዋስኦ፣ ንደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘየድሊ መጎትን ትርኽን ሸሚምካ መእኣዝኖም ንምስሓት ዝዓለመ ተዘይኮይኑ ካልእ መለሳ የብሉን።

እዚ እገለ በዓል ስልጣን ሃዲሙ፣ ተኣሲሩ፣ ተሰዊሩ እንዳበልካ ከምኡ ከምዘጋጠመ እንዳምሰልካን መዕለሊን መካትዒን ድራማታት ብምፍጣር ፣ ህዝቢ ብሓፈሻ ደለይቲ ፍትሒ ድማ ብፍላይ ካብ መኣዝኖም ንምድፋእ ዝግበር ሃቐነ ልሙድ ሜላ ህግደፍ ኮይኑ ከምዘሎ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ ኪረጋገጽ ዝድለ ዘሎ ሓርነት ምስ ምእላይ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ እምበር ምስ ምህላዉን ዘይምህላዉን ነቲ ጉጅለ ዘካይዱን ዘገልግሉን ዉልቀሰባት ኣዛሚድካ ክርአ ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ ኪሕበር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኽመጽእ፡ ኣብ ስደት ብዉልቆምን ተወዲቦምን ዝንቀሳቐሱ ሃገራዉያን፡ ግዳይ ናይ’ቶም ብህግደፍ ዝብተኑ ጸወታታት ምዃን ክሳብ ዘየቋረጹ፡ ዕላማኦም ክወቕዑ ከምዘይኮኑ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ብቐጻሊ ከዘኻኽር ምጽንሑ ይፍለጥ።