ኣብ እስራኤል ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ናብ ሃገሮም ኽምለሱ ንዝሓለፈ ዉሳኔ ቤትፍርዲ ይግባይ ክብልሉ ክትርኢ እንከለኻ ፣ ክሳብ ክንደይ ኣብ ስደት ንህግደፍ ዝድግፍ ዘሎ ኤርትራዊ ብረብሓን ንይምሰልን ከምዝኾነ ዘመልክት እዩ።

እቶም ሓደጋ መጥረዝቲ ኣንጸላሊይዎም ዘሎ ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ ፣ ብዘይካ’ቲ ዘቕርብዎ ዘለዉ መመኽነይታ፣ ብመንገዲ እቲ ብኤምባሲ ህግደፍ ተቘጺርሎም ዘሎ ጠበቓ ናይ ይግባይ ክሲ ከእትዉ እዮም ተራእዮም።

“ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝኾነ ጸገም እኳ እንተዘይብልና ናብ ሃገርና ኽንምለስ እዉን ሽግር እኳ እንተዘይብሉ ፣ ግን ብመስርሕ ዳግመ ሰፈራን፣ ዉሕስነት መቕርብን እንጽበዮ ናይ ካናዳ ቪዛ ኣሎ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ እስራኤል ጽቡቕ ስራሕን ናብራን ኣሎና ዝብሉ” መመኽነይታታት ካብቶም ቀንዲ በቶም እሱራት ደገፍቲ ህግደፍ ዝስምዑ ዘለዉ እዮም።

እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ዘንጊዖምዎ ዘለዉ ገዚፍ ሓቂ ግና ፣ እቲ ዝህብዎ ዘለዉ መጎት ምስቲ ናብ እስራኤል ኣትዮም ዑቕባ ንምርካብ ዝሃብዎ ምስክርነት ብግህዶ ዚጻረር ከምዝኾነን ብዝበኣሰ ገበን ዘሕትቶም ምዃኑን እዩ። ብዘይካ’ዚ ናብ ካናዳን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ናብ ምግዓዝ መስርሕ ይጽበዩ እንተልዮም፣ ን UNHCR ስደተኛታት ኢና ኢሎም ኣእሚኖም ብዝረኸብዎ ሰነድ ነቲ መስርሕ ስለዝጀመርዎ፣ ካብ UNHCRን ካብ መንግስታት እታ ቪዛ ኪህብኦም ተቓሪበን ዝጸንሓ ሃገራትን ዝመጾም ኣሉታዊ ግብረመልሲ ንጹር እዩ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ጽባሕ ናይቲ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ኤርትራውያን ደልይቲ ፍትሒን ዘጋጠመ ግጭት፣ ኣብ እስራኤል ተዓቚቦም ንዘሳደዶም ስርዓት ዝድግፉ ስደተኛታት ፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ደገፎም ኪቕጽሉ ከምዘምሕረሎም ብምትሕሲሳብ፣ እስራኤል ኣብ ፈለማ እግሪ ን1000 ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ ናብ ሃገሮም ክትመልስ ምዃና ገሊጹ እዩ።

ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ፡ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ብኹሉ ወገኑ ንምቚጻይ ነቒሉ ይጓየ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ እቶም ነዚ ንቕሎ ብጉልበታዊ ዓይኒ ጥራይ ዝርእይዎ ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ – ተገሪሆም ገና ግዳያት ይኾኑ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘንጸላልዎም ንዘሎ ሕጋዊ ሓደጋ የስተብህልሉ ኸምዘየለዉ ብተደጋጋሚ ንሕብር ኣሎና።

“ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት እየ ሃዲመ!” ኢልካ ተዓቚብካላ ኣብ ዘለኻ ሃገር፣ ገጽካ ቀሊዕካ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ትድግፍ ምዃንካ ከተመስክር ምድፋር ዘምጽኦ መዘዝ ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ እስራኤል ወሪዱ ዘሎ ጸገም ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ መሓውራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣዊጆሞ ዘለዉ ዝተወሃሃደ ቃልሲ፣ ንረብሓ ህዝቦም እምበር በንጻሩ ከምዘይኮነ ዛጊት ዘይተረድኦም ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ፣ በቲ ኣእምርኦምን ሕልናኦምን ዓጽዮም ክስዕብዎ ዝመረጹ ጉጅለ ዝተነግሮም ጸለመን ፕሮፖጋንዳን ጥራይ እንዳተናደዱ፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋቶም ብጉልበት ኪማለሱ ይረኣዩ ምህላዎም ይንገር።