ኤርትራውያን ድያስፖራ፡ 2 ሚእታዊት ግብሪ ብድሌቶም እምበር ብግዲ ክኸፍሉ ከምዘይሕተቱ ኣባል ህዝባዊ ጉዳያት ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ኣቶ ሲራክ ባህልቢ ዘስደምም መጎት ኣካፊሉ። ኣቶ ሲራክ ነቲ መንግስቲ ሽወደን ነቲ ኣብ ሃገሩ ብኤምባሲ ህግደፍ ዝእከብ ግዱድ ግብሪ ደዉ ክብል ድሌት ከምዘለዎ የነጽር ኣሎ ዝብል ሓበሬታ መብርሂ ኪህበሉ ብራድዮ ሽወደን ትግርኛ ኣብ ዝተሓተሉ እዩ ነቲ ዘገርም ዘረባ ኣምሊቚ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ሃገሩ ብዘይኣፍልጦኡ ግብሪ ክከብ ዘፍቕድ ሕጊ ከምዘየለ ፣ ነዚ ሕጊ እዚ ሰጊሩ ዝቃናዕ ተግባር ድማ ከብ ገበን ከምዝሓስቦ ዘረጋግጽ መግለጺታት ካብ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ሽወደን ይስማዕ ከምዘሎ ሕቶ ዝቐረበሉ ኣቶ ሲራክ፣ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ጽሑፍ ናብ ኤምባሲኦም ከምዘይመጸ ጠቒሱ ፣ ዝኾነ ኤርትራዊ ነቲ ግብሪ ኪኸፍል እንተዘይደልዩ ኪገድፎ ጸገም ከምዘየለ እዩ ሓጪጩ።

ነቲ ግዱድ ግብሪ እንተዘይከፊልካ ካብ ኤምባሲ ይኹን ካብ ዉሽጢ ሃገርካ ንጣር ኣገልግሎት ኪትረክብ ዘይከኣል እንደሃለወ እዩ ኣቶ ሲራክ ባህልቢ፣ እቲ ዝኽፈል ግብሪ ወለንታዊ ምዃኑ ሞጒቱ።
ግዱድ ግብሪ ክልተ ሚእታዊት ኣብ ሽወደን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሓያለ ሃገራት ምዕራብ ካብ መንግስታት እተን ሃገራት ቀጥታዊ ብድሆ ይገጥሞ ከምዘሎ ይፍለጥ። ስለዝኾነ – ጉጅለ ህግደፍ፣ እቲ ክፍሊት ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ካብ ዝነብሩ ወለድን መቕርብን ንምእካቡ ፈተነታት ጀሚሩ ከምዘሎ ይንገር።
ዲፕሎማስያዊ መሓዉር ህግደፍ ኣብ ከተማ ሎንዶን፣ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ገንዘብ ናብ ስድራቤቶም ብምስዳድ ነቲ 2 ሚእታዊት ግዱድ ግብሪ ኣብ ኣስመራ ኪኸፍልዎ ኪሕብር ጀሚሩ ከምዘሎ እዉን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ካብ ዉሽጢ ዓዲ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረዲኡ ኔሩ።

በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝነብር ደጋፊ ህግደፍ፡ ብዘይካ’ቲ ወለዱ ንምጥዋር ተጻጊሙ ዝሰዶ ገንዘብ፣ ብመጠን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ሚዛን ሸርፊ ፣ ተወሳኺ ዝተዓጻጸፈ መጠን ገንዘብ ናብ ስድራኡ ልኢኹ ናብ ህግደፍ ኣብጽሑለይ ክብል’ዩ።
ፍርሂ ዘሕምቐም ደገፍቲ ህግደፍ፡ ብዛዕባ’ዚ ተወ’ጢንሎም ዘሎ ሓድሽ ሜላ ምዝመዛ ቃል ከምልቚ ከምዘይክእሉ ርዱእ ኮይኑ፣ እቲ ንሓርነትን መላእ ህዝቡን ዝደክም ዘሎ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ግን ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ሜላ ኣከፋፍላ ግዱድ ግብሪ ህግደፍ ፣ መርትዖታት ሰኒዱ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከቕርብ ይግባእ።

መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ሃገራት ስግር ባሕሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ፣ በቲ ዝሕይል ዘሎ ምንቅስቓሳት ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ከምዘሎ ይፍለጥ። ህግደፍ ኣብ ቀረባ መጻኢ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ወገናትና ንቡር ወሲድዎ ዝጸንሐ ቊጠባዊን ፖለቲካዊን ምዝመዛ ኪኸስሮ ከምዝኾነ ኽእመት ጸኒሑ እዩ።
ህግደፍ ኣብ ዝመጽኣ ሒደት ዓመታት ኣብ ሃገራት ስግር ባሕሪ ብሓፈሻ ሃገራት ምዕራብ ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዝነብር ኤርትራዊ ዝነበሮ ጽልዋን ክዳኸም ከምዝኽእል ይግምት ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣቃሊዖም እዮም።