ቀዳማይ እግሪ ናይቶም ኣብ እስራኤል ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ተፈቲሖም ኣለዉ። ዝተረፉ ድማ ልሙድ መስርሕ ኣጻፊፎም ኪፍትሑ ምዃኖም ካብቲ ከባቢ ዝበጽሓና ዜና ኣረዲኡ። እቶም ኣብ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ወገናት፡ ብጠበቓ ትካል ተሓላቒ ስደተኛት ሆት-ላይን ተወኪሎም ከምዘለዉ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።

እቶም መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ንምንታይ ኣብ’ቲ ናይ ከተማ ተልኣቪቭ ግጭት ተረኺቦም ርዱእ ብምዃኑ ፣ ዉዒሉ ሓዲሩ ኪፍትሑ ምዃኖም ልዑል ግምት ጸኒሑ እዩ። ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቘም ዘለዉ ፣ እቶም ንህግደፍ ደገፎም ኪገልጹ ዝተረኽቡ ኣሕዋትና እዮም። መንግስቲ እስራኤል ከምዚ ዝበለ መመኽነይታ ረኺቡ ፣ ከናሕስየሎም ከምዘይክል ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብ ናይ ዝሓልፈ ቀዳም ግጭት ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተኣስሩ ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ተጻሪዮም 53 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ከተማ ራማላ ኣብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ጊቮን ፡ ብሰብ-መዚ ክፍልታት ኢምግሬሽንን ሓለዋ ዶባትን መርመራታት ይካየደሎም ከምዘሎ ተገሊጹ ኔሩ።
ኣብ’ቲ ቤት-ማእሰርቲ ፣ 14 ደገፍቲ ህግደፍ፣ 20 ደለይቲ ፍትሒ፡ ዝተረፉ ድማ ኣብቲ ናዕቢ ዝተለከሙ ናይ ዝኾነ ወገን ጸግዒ ከምዘይብሎም ዚዛረቡ ወገናት ምህላዎም፥ ናብ መጋባእያ ቅድሚ ምቕራቦም ድማ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ ተወሲንሎም ፡ ብዉሑዱ ንሳልስቲ ኣብቲ ቦታ ኪምርመሩ ምዃኖም እውን ሓቢርና ኔርና።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ናይ ተልኣቪቭ ተቛዉሞ ዝተሳተፉ ኤርትራዉያን ደለይቲ ፍትሒ ብቐንዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ናይ ሓቂ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራዉያን ድማ ብሓፈሻ ናይ ምጥራዝ ስጒምቲ ከይወስድ ፣ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ዘሎ ደላዪ ፍትሒ ናብ ኤምባሲታት እስራኤል እንዳኸደ ድምጹ ተስምዕ ከምዘሎ እውን ኣይርሳዕን።
መንግስቲ እስራኤል ኣብ ጽባሕ ናይቲ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ኤርትራውያን ደልይቲ ፍትሒን ዘጋጠመ ግጭት፣ ኣብ እስራኤል ተዓቚቦም ንዘሳደዶም ስርዓት ዝድግፉ ስደተኛታት ፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ደገፎም ኪቕጽሉ ከምዘምሕረሎም ብምትሕሲሳብ፣ እስራኤል ኣብ ፈለማ እግሪ ን1000 ስደተኛታት ደገፍቲ ህግደፍ ናብ ሃገሮም ክትመልስ ምዃና ገሊጹ እዩ።

ህግደፍ ነቶም ንደገፉ ኽብሉ ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትዮም ዘለዉ ኣጒባዝ፡ ናብ ዝበኣሰ ሽግር ኪሽመሙ፡ ጠበቓ ቘጺሩ ፡ ይማጐተሎም ከምዘሎ ዝተፈልጠ ኾይኑ፣ እዚ ድማ – ነቲ ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ተሰሪዑ ዝነበረ ናይ ፕሮፖጋንዳን ምዝመዛን ዉራይ ፡ ተራ ኤርትራዉያን ዘይኮኑ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ምዃኖም ብደለይቲ ፍትሒ ኪቐርብ ዝጸንሐ ክሲ ዘረጋግጽ ከምዝኸዉን ተነጊሩ ኔሩ።
ስለዝኾነ ድማ፣ ቤትፍርዲ እቶም ደገፍቲ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ወሲኑ እዩ። እንተኾነ እቶም ብፍርሂ፣ ረብሓን ህልኽን ጥራይ ንመላኺ ስርዓት ዝድግፉ ስደተኛታት ኣብዚ ግዜ’ዚ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘደልዩ ከመኽንዩን ንዝተዋህቦም ዉሳኔ ይግባይ ክብልሉን ይረኣዩ ኣለዉ።