ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ፣ ብጽፍርና እንዳበለ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ድሕነት ዘየ-ውጽአ ህግደፍ ፣ ሕጂ ካብ ሩስያ ዓሰርተታት ኣሽሓት ቶን እኽሊ ክርዳእ ይጽበ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላብሮቭ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሩስያ ነተን ናይ እኽሊ ረድኤት ተመባጺዓትለን ዘላ ኤርትራ እትርከበን ሽዱሽተ ሃገራት ከተተግብር ኩሉ መድላዋት ኣጻፊፋ ከምዘላ ኣነጺሩ እዩ።

ብሰሪ ምሕደራዊ ዉድቀተን ኣብ ተመጽዋትነት ወዲቐን እንተወሓደ ህወት ዜጋታተን ከትርፋ ንዝረኣያ ሃገራት ኣፍሪቃ ከላግጽን ኽሓሚን ሽምግልና ኣርኪብዎ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ ድሕሪ እዚ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ፈኸራ እንሆ ከረጺት ኣእካል ካብ ሩስያ ኪመጾ ይጽበ።

ርእሰ ምርኮሳ ዝሕላገቱ ወፍርታት ዋርሳይ ይከኣሎ ሃገርን ሓፋሽን ንኽለምዑን ንኽርህዎምን ዘይኮነ ፣ ጉልበት ህዝቢ ብሓፈሻ መንሰያት ድማ ብፍላይ ኣብ ዘየቋርዝ መግዛእቲን ምዝምአዛን ቐዪድካ፣ መንበረ ስልጣን ምልኪ ዝጻብኣ ንኸይርከብ ዝዓለመ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና።
ጉጅለ ህግደፍ ንመሰረታዊ ጠልባት ህይወትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከም መሳርሒ ጭኮና ብምጥቃም ፡ ህዝቢ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ክሳቐ ገይሩ ከምዘሎ ኣይርሳዕን። ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ እኹል መግቢን ማይን፣ ኣገግሎታት ጥዕና፡ መጓዓዝያ፡ መራኸቢታትን ኤሌክትሪክን ከምዝሓስሞ ጌርካ ፡ ፍጹም ተገዛኢን ተንበርካኺን ንምግባሩ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ካብ ዝስረሓሎም ዘሎ ፖሊሲታት ሓደ’ዩ።

ህዝቢ ብስእነት መሰረታዊ ጠለባት ህይወት ቀዪድካ፣ ካብ ልምዓት ከምኡ’ውን ካብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ተወዳዳርነት ነጺልካ ንምኹርናዑ ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ይስራሕ ከምዘሎ ፣ ናይ’ዚ መለሳ ድም መነባብሮ፡ ቊጠባዊ ሓይሊ፡ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊን ቴክኖሎጂካዊን ብቕዓት ናይቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ተጎቲቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዘቤታዊ መግዛእቲ ኽብድህ ዘኽእል ዉሽጣዊ ዓቕሚ’ዉን ዉሒዱ ይርከብ።

ህግደፍ ፡ ህዝቢ ነጻ ጉልበቱ ኣፊሱሎም መለሳ ኣብ ዘይረኸብሎም ናይ ልምዓት መደባት ንዓሰርተታት ዓመታት እንዳህለኸ ፣ ሓይሉን ግዛኣቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኸረጋግጽን ኽግምግምን እዩ። ተገዛእነት ህዝቢ ንምምስካር ጥራይ ፡ እዋናዉነት ዘይመርጹን፡ ብዝቐለለ ጸዓት ኪዕመሙ ዘየሸግሩን ናይ ልምዓት መደባት ንምስልሳል፡ ሽማግለታት እዉን ዘይንሕፉ ዘየቋርጹ ህዝባዊ ወፈራታት ምክያድ ፡ መሰረታዊ ዕላማኦም ልምዓትን ህዝባዊ ረብሓን እንተዝነብር፡ ወፊሮምን ተዓሚሞምን ዝበሃሉ መደባት ልምዓት ኣእላፋት ክንሶም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝበኣሰ ሕሰም መነባብሮ ይቕጽል ኣይመሃለወን ዝብሉ ተንተንቲ ቊጠባ ሃገርና ብዙሓት’ዮም።