ኣብቲ ሻዱሻይ ወርሑ ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንዝሰፍሐ ከባቢታት ዞባ ካርቱም ኣብ ምቊጽጻር ጸብለል ዝብሉ ዘለዉ ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ናብ ካልኦት ሸነኻት እታ ሃገር ይግስግሱ ከምዘለዉ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እቶም ሓይልታት ናብ ደቡባዊ ሸነኽ ብምቊማት ነታ ሕርሻዊት ዞባ ጀዚራ ንምምንዛዕ ፈተነታት ይደጋግሙ ምህላዎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ዝሓልፈ ሰሙን እቶም ሓይልታት ንመደኒ ኣብ ዝወስድ መስምር ኣገዳሲ ኣቀማምጣ ንዘለዋ ዓይላፉን ከምዝተቘጻጸሩን ህዝቢ ኣዘናቢሎም ንብረት ከምዝዘመቱን እዮም እቶም ሮይተርስ ዝጠቐሶም መሰኻክር ዝሕብሩ። እቲ መስመር ንከባቢታት ኣል ሞስዒድያ፡ ኣልኑባ፡ ኣልጀዲድ ኣጣውራ፡ ጂያድ ክሳዕ ኣልባቓይር ዝሕውስ ብምዃኑ ንሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ዘይነዓቕ ጸብለልታ ኪህብ ከምዝኽል እዩ ዝግለጽ።
እቶም ሓይልታት ነታ ከተማ ድሕሪ ምሓዞም ንሸነኽ ምብራቕ ዞባ ካርቱም ዝጸንሖም ህላዌ ብምስፋሕ ንከባቢታት ኡም ድዋባን፡ ኣል ዓሲላትን ካትራንጅን ጠቒሎም ኣብ ዞባ ጀዚራ ኣብ ከም ኣል ባሻግራ፡ ዋድ ራዋሕን ኣልዓይዲጅን ወተሃደራዊ ቀጽርታት ክድኩኑ ኽኢሎም ምህላዎም ገሊጾም እዮም።
ሰራዊት መንግስቲ ነቲ ምስፍሕፋሕ ንምግታእን ዝተመንዝዖ ከባቢታት ንምምላስን ጽዑቕ ደብዳባት ነፈርቲን ከቢድ ብረትን ካብ ምክያድ ከምዘየዕረፈ እውን ይንገር። ገስጋስ ሓይልታት ዳዕመልሰሪዕ ክልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ሱዳን ንሰላማዊ ጸተ ቅሩባት ምህላዎም ኣብ ዝምጉቱሉ እዋን እዩ ዝርአ ዘሎ።
ጀነራል ኣቡርሃን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ንድሕነትን ሰለማዊ ህዝቢ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ተግባራዊ ቅሩብነት እንተመስኪሩ ፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ብኣካል ክዛተዩ ቅሩብ ምዃኑ ኣረዲኡ እዩ። ጀነራል ሕሜቱ እዉን ኣብቲ ጀነራል ኣቡርሃን ኣብ እዋን ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስመዓሉ ዕለት ፡ ብቪድዮ መሊኡ ኣብ ዚዘርግሖ መግለጺ ሓይልታት ንዝተናውሐ ምቊራጽ ተጻብኦ ተሰማሚዖን ንነባሪ ሰላም ክዛተዩ ድሉዋት ከምዘለዉ ኣነጺሩ እዩ።
ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ንሰላማዊ ዘተን ምቊራጽ ተጻብኦን ቅሩባት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ዝገልጹ’ኳ እንተኾኑ፣ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ኪብስ እምበር ኪሃድእ ኣይርአን ዘሎ።