ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝብእስ ዘሎ ጸጥታዊ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ቀጻሊ ምዝንባላት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታ ካብ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓድሽ ሽርሒ ነጋዶ ደቂ-ሰብ ክጥንቀቚ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
ንጸገም እቶም እግሪ እግሮም ካብ ዝስዕብ ኲናት ከርሕቚ ዝንገላትዑ ዘለዉ ስደተኛታት ብምምዝማዝ ሓያለ ነጋዶ ደቂ-ሰብ ሓድሽን ጽፉፍን ዕድላት ስራሕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣሎ እንዳበሉ ፣ ናይ መንገዲን ሰነዳትን ወጻኢታት ባዕሎም እንዳሸፈኑን ንሓያለ ስደተኛታት ናብ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ዉሽጣዊ ናዉቲ ኣካላት ኣሕሊፎም ይህብዎም ከምዘለዉ እዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘመልክት።
ብወኪላትን ሒሳባት ማሕበራዊ ሚድያን ዝነጥፉ ነጋዶ ደቂሰብ ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ኣብ ጭንቂ ዝርከቡ ስደተኛታት ብፍሉይ ዒላማ ገይሮም ምህላዎም እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
መሸጣ ውሽጣዊ ናውቲ ኣካላት ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ልዑል ኣታዊ ዝርከበሉ ኣተሃላላኺ ንግዲ ኾይኑ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣብ’ተን ሃገራት ናይ ስራሕ ዕድላት ዝድልሉ መሲሎም፡ ሕጋዉነት ዘለዎ ብዘምስል ኣገባብ ዝቐርቡን ከም ወኪላት ዘምስሎም ናይ ሓሶት ትካላዊ ኣቃውማ ዝዉንኑን ኣታለልቲ ካብቲ ንግዲ ንምርባሕ ንሓያለ ስደተኛታት የስድዑ ከምዘለዉ የረድኡ።
ብኸምዚ መንገዲ ኣብ ሃገረ እገለ ስራሕ ረኺብናልኩም ኣለና ተባሂሎም ናብ ሰነድን ጉዕዞን ወጻኢታት ተሸፊንሎም ዝነቐሉ ስደተኛታት ደሃዮም ክሰኣን ጀሚሩ ምህላዉ እውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የተሓሳስብ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ኲናታት ሕድሕድ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈናቒሎም ናብ ከም ግብጺ፣ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ኣትዮም ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ነዚ ተመዲብሎም ዘሎ ሽርሒ ብኣጋኡ ኪነቕሕሉ የድሊ።