መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ጀሚሮምዎ ዘለዉ ተግባራዊ ቃልሲ፣ ቀጻልነት ከረጋግጽ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንመንግስታትን ዘይመንግስታዉያን ኣካላትን እተን ዝነብሩለን ሃገራት ብዛዕባ ኣካይዳታትን ንጥፈታትን መሓዉራት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ካብ ምሕባርን ምቅላዕን ከየዕርፉ ተለቪዥን ኤሪሳት ደጊማ ትጽውዕ ኣላ።
ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣካይዳታት ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ ዓዲን ስግር-ባሕሪ እንዳሰነድካ ንመንግስታት እተን ዘለኻለን ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ምክፋል ኣብቲ መሓዉራት ጉጅለ ህግደፍ ኣዋርሕ ቈጺሮም ብስም ባህላዊ ፈስቲቫል ዘቃንዕዎ ናይ መዝመዛ ድግሳት ኣብ ምኹላፍ ዝካየድ ጻዕሪ ብዙሕ ድኻም ኣይክህልዎን’ዩ።
ኣብ ዲፕሎማሳዉያን መሓዉራትን ስማዉያን ማሕበረኮማትን ህግደፍ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ብቐጻሊ እንዳተኸታተልካ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምሕባር ደሓር – ህግደፍ ብመንገዲ ፈስቲቫላትን ካልኦት ባህላዊ ዉራያትን ገዚፍ ምዝመዛ ከካይድ ኣብ ዝህቅነሉ ካብ መንግስታት እተን ሃገራት ዕቱብ ብድሆ ኪገጥሞ ዘኽእል እዩ።
ኤምባሲታትን ቈንስላትን’ቲ ጉጅለ ፡ ዓመት ምሉእ ብሕቡእ ዝእክብኦ ግዱድ ግብሪ 2% ምስቲ ኣብ ፈስቲቫል፡ ብመንገዲ ግዱድ ወፈያን ሸቐጣ ሸቐጥን ዝዉህለል ሚልዮናት ገንዘብ ደባሊቕካ ንምሕጻቡን ሕጋዉነት ከምዝለብስ ንምግባርን ፡ ነቶም ፈስቲቫላት ባዕሉ ብዘማሕድረን ማሕበረኮማት ከምዘካይዶም ብቐጻሊ ምጥራዕ ንምነግስታት ኤውሮጳ ይኹን ኣመሪካ ብዛዕባ ሕቡእ ዕላማ እቶም ፈስቲቫላት ምልኪ ንጹር መረዳእታ ኪሕዙ የኽእሎም እዩ።
ብስም ማሕበረኮም ዝሻቐጣ መሓወራትን ትካላትን ህግደፍ ዝዉድብኦም ፈስቲቫላት፡ ጽልእን ፍልልይን እንዳጎስጎሱ ልዑል መጠን ገንዘብ ንመሳለዪ ስልጣን መላኺ ስርዓት ዘኻዕብቱ ምዃኖም ቀጻሊ ንማሕበረሰብ ዓለም ምሕባርን መርትዖታት ምቕራብን ዘየቋርጽ ዕዮ-ገዛ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ኪኸዉን ይግባእ።