ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋትና ንሕጋዊ ይዂን ሕክምናዊ ውሕስነቶም ዝተወደበ ህዝባዊ ወፈያ ዕላማኡ ወቒዑ ተዓዊቱ።
እቲ ብዉሑዱ ክሳብ 300 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ንምውህላል ዝነቐለ መደብ ብጽዑቕ ስራሕ ኣባላት ተለቪዥን ኤሪሳትን፡ ዘተስፉ ህዝባዊ ቅሩብነትን ኣብ ሓጺር እዋን ክዕመምን ልዕሊ እቲ ዝተተለመ መጠን ማለት ክሳብ 351 ሽሕ ዶላር ኪዋጻእን ክኢሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ ደንበ ፍትሒ ጎቢዙ ንዘሎ ናይ ምድግጋፍን ምምልላእን መንፈስ ብግህዶ ዘንጸባረቐ ተበግሶ ብኣጋኡ ንምኹላፍ ህግደፍን ስደተኛታት ተለኣኣኽቱን ዘሎ ዘበለ ፈተነታት እኳ እንተሰንደዉ፡ ክሰልጦም ኣይከኣለን። መሓዉራት ህግደፍ ኣብ ፍቐዶ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጉጅለታት እንዳፈጠሩ ፡ ነቲ ብመንገዲ ጎ-ፋንድሚ ዝኸይድ ዝነበረ መደብ ንምቚጻይ፡ ብህግደፍ ዘዝተነግሮም ጠቐነታት እንዳተጠቕሙ ሪፖርት ኪገብሩ እኳ እንተሃለኹ፡ ኣብ ባይታ ዝቐየርዎ ነገር ኣይነበረን።
ኣብ’ዚ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ኣዝዩ ልዑል መጠን ገንዘብ ንኽዋጻእ ዝተራእየ ቅሩብነት ህዝቢ ደንበ ፍትሒ ክሳዕ ክንደይ ህዝባውነት ወኒኑ ከምዘሎ ዘምስከር’ዩ።
ኣብቲ ናይ ምድግጋፍ ተበግሶ፡ ዓሰርተታት ደለይቲ ፍትሒ ስነጥበበኛታትን ተንቀሳቐስቲን ከምዝተሳተፉ፣ ካብ ህዝቢ ዝተራእየ ግብረመልሲ ድማ ፡ ነቲ ንቃልሲ መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱን ንዕላማኦምን ናይ ዘይኤርትራውያን ከምስሎ ዝሃልኽ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዓብይ ጽፍዒት ኾይኑ ኣሎ።
ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ብሓፈሻ ኩለን ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ኣካላት ድማ ብፍላይ ነቶም ምንጪ ኩሉዓይነታዊ ጭፍጨፋ’ቲ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ዝኾኑ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ምኹላፍ ተግባራዊ ቃልሲ ኣንቂሎም ዘለዉ ብርጌዳዉያን ኪድግፉ መድረኻዊ ግዴታ ምዃኑ ይግንዘቡ ምህላዎም እዉን በዚ ኣብ እስራኤልን ንዝርከቡ ኣሕዋትና ዝተገብረ ወፈያ ኪረጋግጽ ዝከኣል’ዩ።
ፖለቲካውያንን በርጌሳዉያንን ኣካላት ደንበ ፍትሒ ኣብ ምምእዛን ፡ ምምዓድ፡ ከምኡ’ዉን ኣብ ምውሓስ ሕጋዊን ቊጠባዊን ጽግዒታት መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ሓቢሮም ኪጽዕቱ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ደጊምና ንጽውዕ።
መርበባዊ ቊመና ሒዙ ዘሎ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ውዳቤኡ ኣወርጺጹ ዓለምለኻዊ ዝርግሐ ንምርግጋጽ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ኾይኑ፣ መሳርዑ ኣብ ምድልዳል ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ደገፍ ኩሉ ኣባል ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ የድሊዮ። ብዘይካ’ዚ መራኸቢ ብዙሓን ደንበ ፍትሒ ኣብ ምዕዋትን ምውሃድን’ዚ ዓለምለኻዊ ዉዳቤ ዘሐይል ዘሎ ምንቅስቓስ፡ ልዑልን ሓላፍነታዊን ተራ ኪጻወታ ኣብ ምቅላዕ’ቶም ህግደፍ ኣንጻር ብርጌዳውያን ዝነዝሖም ጸለመታት ዓቲበን ክሰርሓ ህዝብና ብዛዕባ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበል ቀጻሊ ሓበሬታ ኪህልዎ ድማ ከይተሓለላ ክጽዕራ ይግባእ።