ደንበ ፍትሒ ሕጂ’ዉን ካብቲ ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተመሻጢሮም ተሊሞሞ ዘለዉ ሓድሽ ጸወታ ግልል ኢሉ ቃልሱ ከሐይል የድሊ ኣሎ።

በብሸነኾም ዚዛይዶም ካብ ዘሎ ህዝባዊ ጽለኣት ንምህዳም ኣብ ሓድሽ ስግኣት ኲናት ኪዋስኡ መሪጾም ዘለዉ እቶም ክልተ መራሕቲ ኣብዚ ተዋስኦ እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዝተራኣየ ጸግዕን ወገንን ናይ ምውሳድ ግጉይ ሱግምቲ ከይድገም ደንበ ፍትሒ ክጥንቀቕ ከድሊዮ እዩ።

ዝተፈላለያ ኣካላት ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ግዳይ ናይቶም ጉጅለ ህግደፍ ብኲናት ትግራይ ኣመኽንዩ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዘማሕደሮም ጸወታታት ኮይኖም ናህሪን ህዝባዊ ተሰዓብነትን እቲ ደንበ ብኣሉታ ክጽሎ ከምዝገበሩ ብተደጋጋሚ ክሕበር ጸኒሒ እዩ። ሓያለ ኣባላት ደንበ ፍትሒ፡ ኣብ መፈንጠራ እቶም ጸወታታት ኣትዮም፡ ገለ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኽደናገጹ ገለ ድማ ምስ’ቲ ንምእላዩ ዕላማ ገይሮም ነዊሕ እዋን ዝተቓወምዎ ጉጅለ ህግደፍ ክጽግዑ ብምምራጽ ነቲ ጥርዚ ወኒኑ ዝነበረ ቃልሲ ደንበ ፍትሒ ኪጓተት ጠንቂ ኾይኖም እዮም።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ፡ ብመንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ እንዳተመርሐ ናብ ተግባራዊ ቃልሲ ኣቢሉ ዘሎ ደንበ ፍትሒ ካብ ዝሓልፈ ጌጋ ተማሂሩ ነዚ ሕጂ ብኢሳያስን ኣቢይን ነቒሉ ዘሎ ሓድሽ ጸወታ ኪነቕሓሉን ናህሪ ቃልሱ ከየጉድልን ዕጽፊ ሓላፍነት ከልዕል ይግባእ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንኲናት ትግራይ ኣብ ምግምማዕ ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ ኽጥቀመሉ ምዃኑ ኣብ እዋን ምጅማር እቲ ኲናት ምጥንቃቕና ኣይርሳዕን። ናይ’ቲ እዋንዝነበረ ጻዉዒትና እቲ ደምበ ጸግዕን ወገንን ናይቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝተወልዐ ኲናት ካብ ምሓዝ ኪቚጠብ ኣብ ምዉጋዝ እቲ ኲናት ጥራይ ብምጽናዕ ድማ ካብ ቀንዲ ዕላማኡ ከይዘብል ዝምሕጸን እዩ ኔሩ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ተላፊኑ ዛኣተዎ ኲናት ትግራይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይተድልየ ደምነትን ሸሚምዎ ከይኣክል ፡ ኣብ ስምረትን ሓባራዊ ጉዕዞን ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ እውን ዘይነዓቕ ሃስያ ብምዉራድ ተስፋ ናይቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ፍትሕን ሓርነትን ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ክፈራረቕ ገይሩ ጸኒሑ እዩ። እቲ ሜላ ካልእ መልክዕ ሒዙ መጽዩ ከምዘሎ ተረዲእና እምበኣር ኩሉ ኣባል ደንበ ፍትሒ ካብ ማእከላይ ዕላማ ቃልሱ ዘይኣልይዎ ንጹር መስመር ሒዙ ኪጓዓዝ ድሉው ክኸውን ይግባእ።