ኣብ ጀርመን መስርሕ ዑቕባ ዝወስዶ ዘነበር ንውሓት ግዜ ብርኡይ ይሓጽር ምህላዉ ተሓቢሩ። ልዕሊ ዓመትን ኪንዮኡን ዝወስድ ዝነበረ እቲ መስርህ ኣብዚ ግዜ እዚ ብማእከላይ ገምጋም ናብ 6 ኣዋርሕ ጎዲሉ ምህላዉ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።
ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኣብታ ሃገር ይውስኸሉ ኣብ ዘሎ ግዜ መስርሕ ዑቕባ ኪቀላጠፍ ምርኣይ መንግስቲ ጀርመን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብታ ሃገር ዑቕባ ኪወሓሰሎም ዘይበቕዑ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ኣለልዩን ዉሳኔ ሂቡን ካብታ ሃገር ከርሕቘም ደልዩ ብምህላዉ እዩ።
ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ቻንስለር ኦላፍ ሾልስ ንዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብታ ሃገር ተኣኪቡ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ልዑል ቊጽሪ ሓተቲ ዑቕባን ንምጉዳል ተረቲ መምርሒታት የማሕድር ከምዘሎ ዝንገር ኮይኑ ኣብ ሃገሩ ኪነብሩ ሕጋዊ መሰል ንዘይብሎም ስደተኛታት ብብዝሒ ምጥራዝ ክጅምር ድሌት ከምዘለዎ ዝሓለፈ ሰሙን ኣነጺሩ እዩ።
ጀርመን ኣብ ትሕቲ ምሕደራ እታ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ክፉት ፖሊስ ዝነበራ ኣንገላ መርከል እንከላ ሚልዮናት ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኪኣትዉ ምፍቃዳ ዝዝከር ኮይኑ እዚ ኣብ ቚጠባን መነበባሮን ህዝቢ ጀርመን ተጽዕኖ ከምዝፈጠረ ብፍላይ ድሕሪ ምኽሳት ለብዒ ኮቪድ ፡ ጀርመናውያን ከም ካልኦት ዜጋታት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ እቶም ንመንብሮና ይሻመዉ ኣለዉ ዝብልዎም ስደተኛታት ዘለዎም ጽለኣት ቀጻሊ ይዛይድን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተሪር መርገጺ ዘለዎም ዓቃባዉያን መራሕቲ ይመርጹን ከምዘለዉ ይፍለጥ።