ደጊም ህግደፍ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝጸንሖ መሓውራዊ ጽልዋ ከምዘብቅዐ፡ ካብቲ ዕለታዊ ዝትርንዕ ዘሎ ውዳቤታትን ዝስስን ዘሎ ጨናፍራትን መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ክርዳእ ኽኢሉ ኣሎ። መሓዉራት ህግደፍ ደጊም ድሕሪ ሕጂ ኣብ ህዝባዊ ምትእኽካባት ህዝብና ተሸጒጦም ከሳውርዎ ዝጸንሑ ናይ ጽልኢ፣ ኲናትን ራዕዲን ፕሮፖጋንዳ ዕምሩ ኣኽቲሙ ኣሎ።

ኢምባሲታትን ህግደፍን ባርኾት ህግደፍ ሃልዩወን ጥራይ ዝነጥፋ ማሕበረኮማትን ብዘይካቲ ዝነጥፋሉ ዘይሕጋዊ ምምንዛዕ ገንዘብ – ህዝብና ስደቱ ኸይኣኽሎ ኣብ ዓዲ ጓና እዉን ኣብ ሞንጎኡ ተኣማሚኑን ተመላሊኡን ዘይኮነ እንዳተወላወለን እንዳተሓላለወን ኪደንን ኣብ ምግባር ዘይነዓቕ ተራ ኪጻወታ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኾይኑ፣ ሕጂ ሳላ ተግባራዊ ተቛዉሞ ብርጌዳዉያን እዚ ጽልዋ እዚ ናብ ዝተሓተ ብርኪ ወሪዱ ንመጻኢ ባይታ ክጸቦ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ምስ ናብ ተግባር ሰጊሩ ዘሎ ቃልሲ ደንበ ፍትሒ ህግደፍ ኣብ ዝመጽኣ ሒደት ዓመታት ኣብ ሃገራት ስግር ባሕሪ ብሓፈሻ ሃገራት ምዕራብ ድማ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዝነብር ኤርትራዊ ስደተኛ ዝነበሮ ጽልዋን ኪዳኸም ምዃኑ ክእመት ጸኒሑ እዩ።

ንቕሎ ብርጌዳውያን ካብ ትጽቢት ህግደፍ ወጻኢ ዉዳቤታቱ የሐይልን መርበባቱ የርጉድን ብምህላዉ ሕጂ ብድሎ ንምብዳሁ ከጸግም ምዃኑ ዝተገንዘበ ጉጅለ ህግደፍ ብምስሉይ ናይ ምርድዳእ መንፈስ ናብ’ቲ መንሰያዊ ማዕበል ቀሪብካ ከቢድ ዕንወት ንምዉራድ እዩ ሃቂኑ ዘሎ።

ኣብ ፈለማ ህግደፍ  ንቕሎ ብርጌዳውያን ናይ ጎነጽን ደምነትን መስሊዎ፡ ተረጋጊኡ ነቲ ኩነታት ምስ ህዝቢ ኪፋተወሉን እዩ ሓሲቡ ኔሩ። እንተኾነ ዕላማ እቲ መንእሰያዊ ማዕበል ዕለታዊ እንዳተነጸረን  ህዝባዊ ተቐባልነቱ እንዳተዓጻጸፈን ምስ መጸ እቲ ናይ ምልኪ ጉጅለ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዩ ብዛዕባ እቲ ስሙ ኣልዒልዎ ዘይፈልጥ ደንበ ፍትሒ ብተደጋጋሚ መግለጺ ካብ ምውጻእ ኣየዕረፈን።
ህግደፍ ሕጂ ተሊምዎ ዘሎ ናይ ምልምላም ሜላ ብእዋኑ ኪጉረሓሉ ኣገዳሲ ኾይኑ  መሪሕነት ብርጌድ ንሓመዱ በዚ ተሸሪሑ ዘሎ መደብ ህግደፍ ከይተዳህለለ ቃልሱ ከበራትዕን ኣብ ጓልመንገዲ ካብ ምጽማድ ከርሕቕን ንላቦ።

መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱ ነቶም ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ዝግሕጠሎም ዓይኒ-ማያት ንምድፋን ኣማስያኡ ከኣ ንኹሎም መሓዉራት እቲ ጉጅለ ንምምህማን ቀዳማይ ዕላማኡ ጌሩ ብተግባር ነቒሉ ገዘፍቲ ዓወታት ከምዘመዝገበ ዝፍለጥ ኾይኑ ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ እንተተሳዒሩ ኣብ ሃገር ሓንቲ ለይቲ እዉን ክሰርር ከምዘጸግሞ ኣጸቢቚ ስለዝፈለጥ ንንቕሎ ብርጌዳዉያን ብኣጋኡ ንምግምማዕ ዘሎ ኣማራጺታት ካብ ምዉፋር ሰለም ከምዘየብል ምርዳእ የድሊ።

ቅርጺን ቊመናን ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ምስ ግዜ እንዳተደላደለ ይመጽእ ከምዘሎ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝነጥፋ ጨናፍራት ናይ ባዕለን ክፍልታት መሪሕነት ፋይናንስ፡ ጸጥታ፡ ሕጊን ጐስጋስን ወኒነን  ኣብ ባይቶ ዓለምለኸ ብርጌድ ንሓመዱ ብኽልተ ኣባላት ኪዉከላ ንምኽኣል ኣብ ጽዑቕ መስርሕ ምህላዎም እዮም ላዕለዎት ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ዝሕብሩ።