ኣብ ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ ኣብ ካናዳ ድማ ብፍላይ ዝነብሩ ገለ ተበለጽቲ፡ ንጸገም ናይቶም ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዝነብሩ ኣሕዋትና እንዳመዝመዙ  “መስርሕ ዉሕስነት ኸነቃንዓልኩም ክንድዚ መጠን ገንዘብ ኣገድሙ” እንዳበሉ ፡ ዘይረሃጽሉ ገንዘብ ጽጉማት ይዘምቱ ብምህላዎም ኣብተን ንኸምዚ ዝበለ ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ በዝበዝቲ ዝነብሩለን ሃገራት ዝቕመጡ ደለይቲ ፍትሒ  ምስ’ቶም ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ኣሕዋትና እንዳተላዘቡ ንገበነኛታት ናብ ሕጊ ከቕርቡ ይድለ ኣሎ።

እዚ ኣብ ዓዲ ሕጊ ዄንካ ዝፍጸም ዘሎ ዘይሕጋዊን ዘይኤርትራዊን ተግባር ብቕልጡፍ ኣደብ ንኽሕዝ ተራ ኣብ ሕጊን ድሕነት ስደተኛታትን ዝነጥፉ ኤርትራዉያን ኣካላት ደንበ ፍትሒ ልዑል ኪኸውን የድሊ። ብፍላይ ኣብ ካናዳ ኮይኖም ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ኣሕዋትና ዘጠፋፍኡ ዝለዉ ወገናት ብቕልጡፍ ተለልዮም ሽፍንፍን ዘይብሉ ገበኖም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኪርከብ ይግባእ።

እዚ ኣብ ሓለፋ ጸገምን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፈልዩ ዒላማ ገይሩ ዘሎ በደል ፣ ነቶም ስደትን ትጽቢት ዑቕባ ነዊሕዎም ዝሰልከዩ እሞ ዓቕሊ ዘርቀቚ ኣሕዋትና ኪህልዎ ዝኽእል ሃስያ ብቐሊሉ ዝከሓስ ከምዘይኮነ ተረዲእና ነዞም ብጸገም ኣሕዋቶምን ኪሰብሑ ዝጓየዩ ዘለዉ ተበለጽቲ ብኣጋኡ ኪንዕንቅፎም ሓላፍነትና ንሰከም።

ብተወሳኺ ንጸገም እቶም እግሪ እግሮም ካብ ዝስዕብ ኲናት ከርሕቚ ዝንገላትዑ ዘለዉ ስደተኛታት ብምምዝማዝ ሓያለ ነጋዶ ደቂ-ሰብ ሓድሽን ጽፉፍን ዕድላት ስራሕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣሎ እንዳበሉ  ናይ መንገድን ሰነዳትን ወጻኢታት ባዕሎም እንዳሸፈኑን ንሓያለ ስደተኛታት ናብ መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ዉሽጣዊ ናውቲ ኣካላት ኣሕሊፎም ይህብዎም ከምዘለዉ እውን ደጊምና ነዘኻኽር።

መሸጣ ውሽጣዊ ናውቲ ኣካላት ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ልዑል ኣታዊ ዝርከበሉ ኣተሃላላኺ ንግዲ ኾይኑ ከምዘሎ ዝሕብሩ ጸብጻባት ኣብ’ተን ሃገራት ናይ ስራሕ ዕድላት ዝድልሉ መሲሎም፡ ሕጋዉነት ዘለዎ ብዘምስል ኣገባብ ዝቐርቡን ከም ወኪላት ዘምስሎም ናይ ሓሶት ትካላዊ ኣቃውማ ዝዉንኑን ኣታለልቲ ካብቲ ንግዲ ንምርባሕ ንሓያለ ስደተኛታት የስድዑ ከምዘለዉ የረድኡ።

ደጊምና  ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ኲናታት ሕድሕድ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተፈናቒሎም ናብ ከም ግብጺ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ኣትዮም ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ነዚ ተመዲብሎም ዘሎ ሽርሒ ብኣጋኡ ኪነቕሕሉ ነተሓሳስብ።