ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ነባርነቶም ኣብታ ሃገር ንምውሓስ ካብ ኤምባሲ ህግደፍ ፓስፖርትን ካልእ ሰነዳትን ከምጽኡ ይሕተቱ ብምህላዎም፡ ንዓዛብን ምንግልታዕን ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ቀጻሊ ይቃልዑ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
እቶም ስደተኛታት ካብቲ ካብ ሃገሮም ዘሳደዶም ህግደፍ ሕጋዊ ሰነዳት ኪሓቱ ወድዓዊ ከምዘይኮነ እንዳተፈልጠ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ኣብዚ ጉዳይ ፍታሕ ከማሕድር ይድጒይ ምህላዉ እዮም ዝወቕሱ። ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ካብ ግዝያውያን ስደተኛታት ናብ ሕጋዉያን ነበርቲ ኽሰጋገሩ ግድን ካብ ኤምባሲ ህግደፍ ፓስፖርት ወይ ሰነዳት መንነት ከምጽኡ ኣለዎም። እዚ ማለት ድማ ናብቲ ኤምባሲ ከይዶም ናይ ጣዕሳ ቅጥዒ ኽመልኡ ነቲ ዘሳደዶም ህግደፍ ግብሪ ኪኸፍሉ ከምኡ ድማ ብዛዕባኦም ብዛዕባ መቕርቦምን ዘመልከቱ ተነቀፍቲ ሕቶታት ኽምልሱ ይግደዱ።
እቶም ሓተቲ ዑቕባ ነቲ ካብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ስዊዘርላንድ ዝሕተቶም ሰነድ ንምርካብ ከይፈተዉ ኣብ ድንደናን ምዝመዛን ኤምባሲ ህግደፍ ይወድቊ ብምህላዎም እዚ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ደዉ ክብል ኩሉ ኤርትራዊ ደላዪ ፍትሒ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኪጠርዕ፡ ከምዚ ዝበለ ግጉይ ምሕደራ መስርሕ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት እንተልዩ እዉን ደው ክብል ኽጉስጉስ ይግባእ።
ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ስዊዘርላንድ ልዕሊ ኻልእ እዋን ተነጺሩ፡ እቲ ኤምባሲን መሓዉራቱን ኣብ መስርሕ ዑቕባ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ሰለይቲ ከውፍሩ ምጽንሖም ይሕበር ኣብ ዘሎ እዋን ኩሉና ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ሓቂ እዚ ከም መርትዖ ሒዝና መንግስቲ እታ ሃገር ንሓተቲ ዑቕባ ዝኾኑ ኣሕዋትና ብዝምልከት ዝኽተሎ ዘሎ ምሕደራ ዳግመ ግምት ኪገብረሉ ክንጽዉዕ ኣገዳሲ እዩ።
መንግስቲ ስዊዘርላንድ ከም ተርጐምቲ ተቘጺሮም ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ንጠንቂ ስደቶምን ኩነታቶምን ኣመልኪቶም ዝህብዎ ምስክርነታት እንዳጠምዘዙ ግዳያት መንጸግቲን መጥረዝቲን ኪገብሩ ጸኒሖም ንዝብል ውህሉል ጥርጣረ ከም መበገሲ ገይሩ ኣብቲ ጉዳይ ዝተወሃሃደ መርመራ ከቃንዕ ምዃኑ ዝሓልፈ ወርሒ መስከረም ብወግዒ ሓቢሩ እዩ።
እቶም ሰለይቲ ብዛዕባ ኣየናይ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ ምስክርነቱ እንታይ ዘርዚሩ ናብ ህግደፍ ቀጻሊ ሓበሬታ ከሕልፉ እንከለዉ ጠለብ ዑቕባ እቶም ኤርትራዉያን ተቐባልነት ከይረክብን እንተተኢሉ’ዉን ክንጸግ – ንምስክርነት እቶም ስደተኛታት ገምጢልካ ወይ በሪዝካ ናይ ምቕራብ ሜላ ኪኽተሉ ከምዝጸንሑ እዩ እቲ ኣተኩሮ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ረኺቡ ዘሎ ጥርጠራ ዘመላኽት።
ኣዕቚባቶም ካብ ዘላ ስደተኛታት እቶም ልዕሊ 30 ሚእታዊት ኤርትራዉያን ከምዝኾኑ እትገልጽ ስዊዘርላንድ ንኸምዚ ዝበለ መሓዉራዊ ተግባር ጉጅለ ህግደፍ ኪትጻወሮ ከምዘይትኽል ፍሉጥ ኮይኑ ነዚ ኩነታት ከም ብልጫ ወሲድና ነቲ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ዝኽተሎ ኣሰራርሓ ዳግም ኽግምግሞ እነካይዶ ጻዉዒት ኣብ ስደት ኣርሑቚ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ብመንገዲ ቈንስላት ኤምባሲታት ማሕበረኮማትን ካልኦት ምትእኽኻባትን ንምቊጽጻሩ እንተዘይተኻኢሉ ኣብተን ኤርትራዉያን ስደተኛታት ዝግልገሉለን መንግስታዉያን ትካላት ከም ተርጐምቲን ኣሳለጥቲ ጉዳያትን ኮይኖም ዝነጥፉ ሰለይቲ ኣዉፊርካ ንኩሉዓይነታዊ ምንቅስቓሳትን መጻኢ ዕላማታትን እቶም መንሰያት ብደቂቕ ንምክትታል እዩ ዝሃልኽ።
ኤርትራዊ ደንበ ፍትሒ መሓዉራዊ ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ስግር ባሕሪ ንምቚጻይ ጀምሪዎ ዘሎ ዕዉት ወፍሪ እቲ ጸቢብ ጉጅለ ካብ ሃገር ወጻኢ ንዝጸንሖ ጽልዋን ብመንገዲ እቲ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ስደት ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ደንበ ፍትሒ ከዉርዶ ዝጸንሐ ዕንወትን ኣኽቲሙ እቲ ደንበ ኣመና ደልዲሉ ቃልሱ ከዛይድን ናብ ዉሽጢ ኤርትራ ክጥምትን ክድረኽ እዩ።