ኲናት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ፍልስጤም ዘብጽሖ ዘሎ ሰብኣዊ ዕንወት ኣሻቓሊ መልክዕ ሒዙ ይብእስ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ ካብ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሓማስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኣስታት 1,400 እስራኤላውያን ድሕሪ ምቕታሎም እስራኤል ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ፍጹም ንምድቓቕ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣልማሚ ደብዳብ ብምጽዓቕ ድሮ ሂወት ልዕሊ 6,000 ሰላማውያን ፍልጤማዉያን ኣጥፊኣ ፡ ንስታት 20,000 ካልኦት ድማ ኣቚሲላ ኣላ።
እስራኤል እተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ደብዳብ ብኹሉምሉ ንሰላማዊ ህዝቢ ግዳይ ዝገብር ኮይኑ ምህላዉ እዮም ብዙሓት ዝወቕሱ። ምንቅስቓስ ሓማስ ኣብ ማእከል ሰላማዊ ህዝቢ ኮይኑ መጥቃዕትታቱ ይቕጽል ብምህላዉ እዉን ፡ ንድሕነት ሰላማውያን ፍልስጤማውያን ዕለታዊ ኣብ ሓደጋ የዉድቕ ከምዘሎ ይፍለጥ።
በቲ ኩነታት ክዛተ ኣብ ዝተኣከበ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዋናጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉቴረዝ ዝተዋህበ መግለጺ ሰላማዉያን ፍልስጤማዉያን ግዳያት ኣልማሚ ደብዳብ ሰራዊት እስራኤል ይኾኑ ከምዘለዉ ብምዉቃስ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ነጸብራቕ ናይቲ ፍልስጤማውያን ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ካብ እስራኤል ዝበጽሖም ዘሎ ጎበጣን ጭቈናን ምዃኑ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ካብ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀጥታዊ ተቛዉሞን ምንሻውን ከምዘጋጠሞ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣንቶንዮ ጒታረዝ ኣብ ዘረባኡ እቲ ሓማስ ዝወሰዶ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብዝኾነ መንገዲ ክምኽነየሉ ከምዘይግባእ እኳ እንተሓበረ መጥቃዕቲ ሓማስ ግን ታሪኻዊ ድሕረባይታ ዘለዎን ካብ ዜሮ ዘይተላዕለን ምዃኑ ብምትሕስሳብ እስራኤል ነቲ ብሓደ ጉጅለ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ፍልስጤም ትፍጽሞ ዘላ ኣልማሚ ህልቂት ብዝኾነ መንገዲ ክምኽነየሉ ግቡእ ዘይምዃኑ እዩ ዝገንዚቡ።
ብዘረባ ዋናጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉቴረዝ ዝተቘጥዐ መንግስቲ እስራኤል ፡ እቲ ዋናጸሓፊ ብቕልጡፍ ካብ ስልጣኑ ኽእለ ብምጽዋዕ ኣብ ልዕሊ ታካላት ሕቡራት ሃገራትን ሰብ መዚ እተን ትካላትን ዲፕሎማስያዊ እገዳ ከጽዕን ከምዝኾነ እዩ ኣጠንቂቚ ዘሎ።
ኲናት ሓማስን እስራኤልን ብሽነኽ ደቡብ ሊባኖስ መጥቃዕትታት ህዝቦላህ ተወሲኽዎ ናብ ትንፋስ ዘይህብ ሕንፍሽፍሽ ይምራሕ ከምዘሎ ዘመልክቱ ጸብጻባት ንሓማስ ፍጹም ከጥፍእ ኣለኒ ኢሉ ተበጊሱ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ንዝኾነ ዘተ ሰላም ይነጽግ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ፍልስጤም ዝወርድ ዘሎ ህልቂት ደዉ ኽብል ብሓያላት ሃገራት ምዕራብ ኪግበር ዝነበሮ ጸቕጢ ኣብ ባይታ ይርአ ከምዘየለ ብቐንዱ እዉን ኣመሪካን መሓዙታን ነቲ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ኣልማሚ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ይድግፋን ብምህላወን ዕለታዊ ኣማኢት ፍልስጤማዉያን ይቕተሉን ይቘስሉን ኣለዉ።